ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ጕጅለ 7 ንከይዲ ሰላም ኢትዮጵያ ይንእዱ


ኣብ ቶክዮ ጃፓን ተጋቢኦም ዝቐነዩ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ብቝጠባ ዝማዕበላ ሸውዓተ ሃገራት፡ ድሕሪ ምዝዛም ርክቦም ኣብ ዘውጽኡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኣብ ዓለም ኣጋጢሙ ንዘሎ ስእነት ጸጥታን ምርግጋእን ዓቢ ቦታ ሂቦሞ። እቶም ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ፡ ብሩስያ ዝተኻየደ ወራር ዩክሬን ከም መርኣያ ዝዓበየ ስግኣት ብምጥማት፡ እቲ ሕብረት ምስ በበይኖም መሻርኽቲ ኣካላት ክሰርሕ ምዃኑ ኣስሚሩ።

መግለጺ ጕጅለ ሸውዓተ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣንጸላልዩ ዘሎ ስግኣት ድርቂ ብምጥቃስ፡ ነቲ ኣብ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መሪሕነት ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ንኢዱ። እቲ መግለጺ ወሲኹ፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝተራእየ ዕርቂ ብምምጓስ ኣብ ምስፋን መሰጋገሪ ፍትሒ ንዝወስዶ ዘሎ መገዲ’ውን ንኢዱ።

ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ምቅላስ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝወስዶ ዘሎ ተበግሶ ዝነኣደ መግለጺ ጕጅለ ሸውዓተ፡ ነቲ ኣብ ሱዳን ተወሊዑ ዘሎ ጎንጺ ብትሪ ኰኒኑ። እቲ ተጻብኦ ኣቋሪጹ፡ ሰብኣዊ ኣገልግሎት ዝቕጽለሉ መንገዲ ክቃላጠፍን ክልተ ወገናት ፍልልያቶም ብልዝብ ክፈትሑን ድማ ጸዊዑ።

ጉጅለ ሸውዓተ ንካናዳ፡ ጀርመን፡ ጣልያን፡ ፈረንሳ፡ ጃፓን፡ ብሪጣንያን ኣመሪካን ዘጠቓለለ ሕብረት’ዩ።

XS
SM
MD
LG