ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መራሕቲ ብቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅል 20 ጉባኤኦም ዛዚሞም


ቅልውላው ዕዳ ኣውሮፓ ንምፍታሕ ጭቡጥ ስጉምትታት ንምውሳድ ተሰማሚዖም

መራሕቲ ብኢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ 20 ኣብ ሜክሲኮ ከካይድዎ ዝፀንሑ ጉባኤ ዕዳጋ ገንዘብን ቁጠባ ዓለምን ንምርግጋእ ብምስምማዕ ኣኼብኦም ዛዚሞም።ክንድቲ ትፅቢ ዝተገበረሉ ኣይኮነን’ውን ተባሂሉ’ሎ።እቶም መራሕቲ ቅልውላው ዕዳ ኣውሮፓ ንምፍታሕ እውን ጭቡጥ ስጉምትታት ንምውሳድ ተሰማሚዖም ኣለው።

ኣብ ሜክሲኮ ወደባዊት ከተማ ሎስ ካቦስ ጉባኤኦም ከካይዱ ዝፀንሑ መራሕቲ ብኢኮኖሚ ዝማዕበላ ሃገራት ጉጅለ 20 ቁጠባዊ ዕብየት ንምስፍሕፋሕን ቅልውላው ዕዳ ኣውሮፓ ንምርግጋእን ውሳነ ኣሕሊፎም።

ገለ ተዓዘብቲ ዘይመንግስታዊ ትካላት ኣብ ጉዳያት ምንካይ ድኽነት ንፁር መፅብዓ ኣይኣተውን እንትብሉ ቀዳማይ ምንስቴር ብሪታኒያ ዴቪድ ካምረን ግን ንኣወንታዊ ጎኑ ኣጉሊሆም።እዚ ጉባኤ እዚ ንገሊኦም ሓደጋታት ቁጠባ ዓለም ጠጠው ዘበል እዩ ዝብል እምነት ኣለኒ ኢሎም።

እቶም ቀዳማይ ምንስቴር መራሕቲ እተን ዝማዕበላ ሃገራት ቁጠባ ዓለም ኣጋጢሙዎ ብዛዕባ ዘሎ ሓደጋ ብሓባር ምዝርራቦምን እቶም ዝርርባት ኣብ ዝቕፅሉ ሰሙናት እውን ኣብዝተፈላለዩ መድረኻት ከምዝቕፅሉን ገሊፆም።

ኣብቲ ጉባኤ ዝተኻፈሉ ናይ ፈረንሳይ ፕሬዝዳንት ፍራንስዋ ኦላንድ ኣብቲ ምይይጥ ምዕባለ እንተተርኣየ’ውን ንቕድሚት ብዙሓት ፈተናታት ከምዝፅብይዎም ገሊፆም።ንኢንቨስትመንት ገንዘብ ኣብ ምሕጋዝ፡ዕብየት ኣብ ምስጛምን ስራሕ ኣልቦነት ኣብ ምንካይን ኣብ ስምምዕ ምብፃሕ ኣገዳሲ እዩ ክብሉ ኣፅንኦት ሂቦምሉ።

እቶም ዝርርባት ክዕወቱ ወይ ዘይክዕወቱ ሃገራት ጉጀል 20 መፅብዕአን ኣብ ምዕቃብን በቲ ቅልውላው ኣዝየን ዝተሃሰያ ሃገራት ዓርሰ እምነት ንኽህልወን ኣብ ምግባርን ብዘለዎ ትርጉም እዩ ዝውሰን።ውፅኢት እቲ ጉባኤ ዝዕቀን’ውን ኣብ ገንዘባዊ ዕዳጋ ዓለም ብዝህልዎ ውፅኢት እዩ ተባሂሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG