ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኣምሓራ ሕጽረት ነዳዲ ምግጣሙ ነበርቲ ይገልጹ


ባህርዳር
ባህርዳር

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኩሉ ከባብታት ሕጽረት ነዳዲ ከም ዘጋጠመን ዘወርቲ አካይን ስርሖም ደው ምባል ከምዝተገደዱን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ብመስኖ ሕርሽኦም ዘካይዱ ሓረስቶት`ውን ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ዘራእቶም ይሓርር ከም ዘሎ ኣመልኪቶም።

እቲ ጸገም ተፈጢሩ ከምዘሎ ዝኣመነ ቤት ጽሕፈት ንግዲ ክልል ኣምሓራ ብወገኑ፡ ፍታሕ ንምርካብ ሓዲሽ ኣሰራርሓ ይኽተል ኣለኹ ይብል።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ሓላፊ ርክባት ህዝቢ ቤት ጽሕፈት ልምዓት ዕዳጋ ዝኾነ ኣቶ ኣቢታ ገበያው፡ ነዳዲ ኣብ ጸሊም ዕዳጋ ብዘይ ሕጊ ይሽየጥ ከም ዘሎ ኣረጋጊጽና ኣለና ድሕሪ ምባል፡ ደው ንምባሉን ንምቁጽጻሩን ሓዲሽ ኣሰራርሓ ንምትግባር ኣብ ምቅርራብ ኣለና ይብል።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ዘወርቲ መካይን ኮኑ ሓረስቶት ብወገኖም፡ ብሕጋዊ መንገዲ ዘይተረኽበ ነዳዲ ብኸመይ ኣብ ኮንትሮባንድ ዕዳጋ ክርኣይ ከም ዝኸኣለ ከይገረመና ኣይተረፈን ይብሉ።

ኣብ ክልል ትግራይ`ውን ተመሳሳሊ ሕጽረት ነዳዲ ኣጋጢሙ፡ መካይን ንሰዓታት ተሰሪዐን ከም ዝርኣያ ኣብዚ ሰሙን`ዚ ካብ መቐለ ምጽብጻብና ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG