ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ሶማል፡ ሓደሽቲ ግጭታት ይለዓዓሉ ኣለው


መራሕቲ ተነሓናሕቲ ምምሕዳዊ ከባቢታት ፑንትላንድን ጋልሙድግን ስምምዕ ሰላም ድሕሪ ምፍርራሞም ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ኣብ ማእኸላይ ሶማል ሎሚ ሓሙስ ውግእ ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ።

ሪፖርተር ቪኦኤ ካብ ከተማ ጋልካዮ ብዝሃቦ ጸብጻብ መሰረት ሎሚ ንጉሆ ዝጀመረ ከቢድ ውግእ ቀጺሉ ውዒሉ'ሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበስልጣን ሕክምና አብዚ ውግእ ብውሑዱ 10 ሰባት ክሞቱ ከለው ካልኦት ልዕሊ 30 ዝኾኑ ድማ ቆሲሎም ኣለው ።

ፕሬዝዳንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ከም ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክልቲኦም ወገናት ንዝፈረምዎ ስምምዕ ከኽብሩ ኣይከኣሉን ክብሉ ነቲ ሓድሽ ውግእ ኮኒኖምዎ ኣለው።

እዚ ከምዚ'ሉ ኸሎ ቀዳማይ ሚኒስትር'ታ ሃገር ዖማር ዓብዲራሺድ ዓሊ ሻርማርክ ንኽልቲኦም ወገናት ነንበይኖም ብምዝርራብ ነቲ ወጥሪ ንምህዳእ ኣብ ከተማ ጋልካዮ ከምዝርከቡ ሰበስልጣን'ታ ሃገር ኣፍሊጦም።

XS
SM
MD
LG