ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፈረንሳይ ንሰባት ቀቲሉን ኣቑሲሉን ዘምለጠ ጥርጥሩ ንምሓዝ ሰፊሕ ዳህሳስ ይካየድ ኣሎ


ኣብ ፈረንሳይ Strasbourg ተባሂሉ ኣብዝፅዋዕ ፍሉጥ ማእኸል ዕዳጋ Christmas ትማሊ ሰሉስ ቶኪሱ ንኽልተ ሰባት ዝቐተለን ንካልኦት 13 ሰባት ዘቑሰለን ዕጡቕ ንምሓዝ ሰፊሕ ዳህሰሳ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ ዕዳጋ ድሕሪ ዝተኻየደ ቶኽሲ እቲ ጥርጡር ምስ ኣምለጠ ሰበስልጣን ፈረንሳይ ኣማእቲ ሓይልታት ፀጥታ ኣዋፊሮም ኣለው።

ተጠርጣሪ ኣብ ዝርዝር ጥርጡራት ኣኽረርቲ ዝነበረ ወዲ 29 ዓመት ሸሪፍ ሸካት ምዃኑ ሰበስልጣን ገሊፆም።ስለምንታይ ነቲ መጥቓዕቲ ከምዝፈፀሞ ግን ኣይተፈልጠን።

ፈረንሳይ ስግኣት ፀጥትኣ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ሓፍ ኣቢላቶ’ላ።

XS
SM
MD
LG