ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ጋዜጠኛታት ጉዳዮም ንኽርኣየሎም ጥርዓን ኣቕሪቦም


Sitting Bull College di Fort Yates, North Dakota (1/12). (Aru Pande/VOA)
Sitting Bull College di Fort Yates, North Dakota (1/12). (Aru Pande/VOA)
ብፀረ ሽብር ሕጊ ተኸሲሶም ኣብ ልዕሊ ዝርከቡ ጋዜጠኛ እስክንድር ነጋን ርእዮት ኣለሙን ዝተበየነ ፍርዲ መሰረታዊ ናይ ምዝራብ ነፃነትናን መሰልናን ዝጠሓሰ እዩ ክብሉ ንናይ ኣፍሪካ ሰብኣውን ናይ ህዝብን መሰላት ኮምሽን ጥርዓን ኣቕሪቦም።

ንቶም ጋዜጠኛታት ብምውካል እቲ ምጉት ዕላዊ ዝገበረ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ዝመደብሩ FREEDOM NOW ዝተብሃለ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት እዩ።

ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ክልተ ኢትዮጵያዊያን ጋዜጠኛታት ናይ ምቅዋም ድምፆም ንምዕፋን ኣብ ግብሪ ዝወዓለ ሕጊ ፀረ ሽብር ሞጎቶምዎ ኢሉ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ እቶም እሱራት ናይ ሕሊና እሱራት እዮም ክብል ገሊፁ FREEDOM NOW።

ናይቲ ትካል ናይ ሕጊ ኣማኻሪ ፓትሪክ ግሪፍዝ እዚ ጉዳይ እዚ ምጥሓስ መሰረታዊ ነፃነት ፕረስ ስለዝኾነ ማእሰርቲ እስክንድር ነጋን ርኢዮት ኣለሙን ንመሰል ናይ ምዝራብ ነፃነት ዝተዳፍአ ምዃኑ ንኸረጋግፅ ኢና ነቲ ኮምሽን ዝሓተትና ዘለና ኢሎም።

ናይ ርኢዮተ ኣለሙ ኩነታት ጥዕና ብእዋኑ ግቡእ ሕክምና ናይ ዘይምርካብን ብሓፈሻ ናይ ክልቲኦም ጋዜጠኛታት ኣተሓሕዛ ብስም ፀረ ሽብር ሕጊ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፀም ዘሎ ምጥሓስ መሰላት ዝሕብር እዩ ክብሉ ይገልፁ ግሪፍስ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ብፍላይ ናይ እስክንድ ፍርዲ ብዝምልከት ዝተወሰኑ ዓለምለኸ ፐቲሽናት ነቐፌታን ቀሪቦም እዮም ኢሎም።

ምስ ናይ ምዝራብ ነፃነትን ጋዜጠኝነትን ብዝተኣሳሰረ ኣተሓሕዛ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምቕያር ዛጊድ ዝተርኣየ ዝተሓባበረ ፅዕንቶ ዓለምለኸ ማሕበረሰብ እኹል ኣይኮነን ምስ በሉ ኣስዒቦም ‘’ናብ ኣፍሪካ ኮምሽን ዘቕረብናዮ ጥርዓን ውሳንኡ ኣሳሪ ናብ ዝኾነ ናብ ናይ ኣፍሪካ ቤት ፍርዲ ደቂ ሰባት ከቕርቦን መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ በዚ ተገዚኡ ንእስክንድርን ሪእዮትን ክፈትሖምን እዩ ተስፋና።’’ኢሎም።

FREEDOM NOW ካብ ናይ ኣፍሪካ ሰብኣውን ናይ ህዝብን መሰላት ኮምሽንን ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ መልሲ ከምዝፅበ ገሊፁ’ሎ።
XS
SM
MD
LG