ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነጻነት ፕረስ ዓለም ብፍላይ ኣብ ዲሞክራሲያዊያን ዝበሃላ ሃገራት ምንቁልቋሉ ፍሪደም ሃውስ ሓቢሩ


freedom house
freedom house

ዓለም ኣብ ዝሓለፉ 13 ዓመታት ርእያቶ ብዘይትፈልጥ ኣገባብ ኣብ 2016 ዓ.ም ነፃነት ፕረስ ኣንቆልቑሉ’ሎ ክብል ቤት ፅሕፈቱ ኣብዚ ኣብ ኣሜሪካ ዝኾነ ፍሪደም ሃውስ ዝተባህለ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሎሚ ዓርቢ ኣብዘውፅኦ ዓመታዊ ፀብፃብ ኣፍሊጡ።ኣብ ዓበይቲ ዲሞክራሲያዊያን ሃገራት ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ማዕኸናት ዜናን ብዝኻየድ ምፍርራሕ፣ ውልቀ መለኽቲ መንግስታት እውን መጥቓዕትታቶም እናሓየሉ እዮም ኢሉ’ሎ።

ሎሚ እውን ቀንዲ ግሃስቲ ነፃነት ፕረስ ብውልቀ መላኺ ኪም ጆንግ እትምራሕ ሰሜን ኮርያ’ያ፣ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓመታት ብኲናት ሕድ ሕድ ትሕመስ ዘላ ሶሪያን መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ኮሚንስታዊ ፓርቲ ዝቆፃፀረላ ቻይናን እየን።

ኣብ ፍሪደም ሃውስ ዳይረክተር መፅናዕቲ ዝኾና ጀነፈር ደንሃም ኣብዚ ሕጂ እዋን ይርኣይ ዘሎ ሓደ ለውጢ ግን ከም ኣሜሪካ ኣብ ዝኣመሰላ ዴሞክራሲያዊያን ሃገራት ነፃነት ፕረስ እናቆልቆለ ምምፅኡ እዩ ይብላ ።

ብፍላይ ናይ ኣሜሪካ ፕረዝደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ማዕኸናት ዜናን ዝፍንውዎ መጥቓዕቲ ብፍላይ ዝጠቀሳ ጀነፈር ደንሃም ስግኣት እንተሃለወ እውን ግን ኣብ ኣሜርካ ናይ ምዝራብ ነፃነት ከምዘሎ ቀፂሉ’ሎ ኢለን።

ንጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ዶብ ኣልቦ ጋዜጠኛታት ብወገኑ ፕረዝደንት ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታትን ማዕኸናት ዜናን ዝፍንውዎ ናይ ቃላት መጥቓዕትታት ኣብ ዙሪያ ዓለም ንዝርከቡ መለኽቲ ዘተባብዕ እዩ ይብል።

ፍሪደም ሃውስ ኣብ ፀብፃብ ፖለቲካዊ ጉዳያት ሓያል ሽፋን ሚዲያ ዝረኽበሉ፣ድሕነት ጋዜጠኛታት ዝተረጋገፀሉ፣መንግስቲ ኣብ ስራሓት ሚዲያ ኢዱ ዘየእትወሉ፣ብርቱዕ ናይ ሕግን ኢኮኖሚን ተፅዕኖን ዘይፍፀመሉን ካብ ሓፈሻዊ ህዝቢ ዓለም 13 ሚእታዊት ጥራሕ እዩ ይብል።

ከም ኢትዮጵያ፣ቱርኪን ቬኔዝዌላን ኣብ ዝኣመሰላ ሃገራት ሰበስልጣን ንሚዲያታት ንምንቅስቓሳት ተቓውሞ ንምጥቓዕ ተጠቒሞምሉ ይብል።

መራሕቲ ኢትዮጵያ ፀረ መንግስቲ ተቓውሞታት ስዒቡ ንዝኣወጅዎ ኣዋጅ ህፁፅ ግዜ ብምጥቃም ንኢንተርነትን ማሕበራዊ ሚዲያን ደሪቶምዎ፤ካብ ወፃኢ ሃገር ዝፍነው ክልተ ትካላት ቴሌቪዥን እውን ብኣሸባርነት ተመዲቦም ኣለው ይብል።

ካብ ሃገራት ትሕቲ ስሃራ ብበዝሒ ዝተኣስሩ ጋዜጠኛታት ኣብ ካልኣይ ደረጃ እትስራዕ ኢትዮጵያ ክሳብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ እዋን 16 ጋዜጠኛታት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከምርከቡ ፍሪደም ሃውስ ገሊፁ’ሎ።

ኣብ ኣፍሪካ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ብምእሳር ንኢትዮጵያ ትመርሓ ኤርትራ ጥራሕ ከምዝኾነትን ብደረጃ ዓለም ድማ ሓምሻይ ደረጃ ከምዝሓዘትን ኣዘኻኺሩ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ምሉእ ጸብጻብ ፍሪደም ሃውስ ኣብዚ ምንባብ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG