ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዝመደብሩ ተሓላቒ መሰላት ፍረደም ሃውስ፣ ናይ 2016 ኣ/ፈ ናይ ዓለም ደረጃ ነፃነት ፕሬስ ዕላዊ ገይሩ።
መፅናዕቲ ካብ ዝተገበረለን 65 ሃገራት ነፃነት ፕሬስ ብምግዳብ ኢትዮጵያ ራብዐይቲ፣ ካብ ሃገራት ኣፍሪካ ድማ ቀዳመይቲ ምዃና ገሊፁ’ሎ። ቻይና ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ኮይና’ላ።
ፍረደም ሃውስ ‘’Freedom on the Net 2016’’ ብዝብል ኣርእስቲ ዕላዊ ኣብዝገበሮ ሪፖርት ኣብ ዓለም ናይ ኢንተርኔት ዓፈና ይውስኽ ኣሎ ይብል።
መፅናዕቲ ካብ ዝተኻየደለን 65 ሃገራት 35 ሚእታዊ ነፃነት ኢንተርኔት ፈፂመን ዘይብለን፣29 ሚእታዊ ብኽፋል 24 ሚእታዊ ድማ ነፃነት ዘለወን ምዃነን ይሕብር።
ንኩነታት ኢንተርኔት ኣብ ኢትዮጵያ ዘፅንዓ ናይ ፍሪደም ሃውስ ፕሮግራም ማነጀርን ሓላፊት መፅናዕቲ ጉዳያት ኣፍሪካን ማይ ትራንክ ኣብ ኢትዮጵያ ሎሚ እቲ ዓፈና እናብኣሰ ከምዝኸደ ይገልፃ።
ዝተሓተ ሽፋን ኢንተርኔት ከምዘሎ ዝገለፃ ንሰን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንቴሌኮም ምሉእ ብምሉእ ስለዝቆፃፀሮ እዩ ኢለን።