ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሪደም ሃውስ ‘ፖለቲካዊን ሲቪካዊን ነጻነት ንዘይብለን ሃገራት’ ይገልጽ


ቤተ ነጻነት
ቤተ ነጻነት

ፓርቲ ሃገራዊያን ህዝባዊያንን ዓሚ ኣብ ዲሞክራሲያዊያን ሃገራት ድሕሪ ምዕዋቶም መግለጺ ዘውጸአ ‘ፍሪደም ሃውስ’ ብደረጃ ዓለም ግን ነጻነት ኣንቆልቝሉ’ ይብል።

ቤተ ነጻነት (ፍሪደም ሃውስ) ካብ ዝተኸታተለን 195 ሃገራት፣ ልዕሊ ፍርቂ ‘ነጻ’ እየን።

49 ሃገራት ‘ናጻ ዘይኮና’ ካብ ዝተባሃላ ገሊኤን ሶርያ፣ ኤርትራ፣ ሰሜን ኮርያ፣ ኡዝቤክስታን፣ ደቡብ ሱዳን፣ ቱርኪምንስታን፣ ሶማልያ፣ ሱዳን፣ ኢኳቶርያል ጊኒ፣ ማእከላይ ኣፍሪቃን ስዑድ ዓረብን’የን።

እዘን ዝተጠቅሳ ሃገራት ብመንጽር ፖለቲካዊን ሲቪላዊን ነጻነት እተን ኣዝየን ዝሓመቃ ሃገራት’የን። ብራዚል፣ ሪፐብሊክ ቼክ፣ ዴንማርክ፣ ፈረንሳ፣ ሃንጋርይ፣ ፖላንድ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ደቡብ ኮርያ፣ ስጳኝን ቱኒስያን ‘ናጻ’።

ዩናይትድ ስቴትስ ‘ናጻ’ ሃገር ተባሂላ’ያ ትጽዋዕ። እንተኾነ ኣብ ‘ፖለቲካዊን ሲቪላዊን ናጽነት’ ገለ ዕንቅፋት ተራእዩላ ይብል እቲ ሪፖርት።

XS
SM
MD
LG