ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ፈረሳይ ኢማኑወል ማክሮን ብዝጸውዖ ህጹጽ ኣኼባ፡ መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሎሚ ሰኑይ ንጸጥታ እቲ ደምበን ጉዳይ ዩክሬንን ኣመልኪቶም ኣብ ፓሪስ ይጋብኡ ኣለዉ። ኣብዚ ብሪጣንያ’ውን ዝተሓወሰቶ ርክብ ቀንዲ ኣተኵሮኡ ንዩክሬን ንምሕጋዝ ኰይኑ፡ እንኮላይ ድሕሪ ምዕራፍ ኲናት ንዩክሬን ንምሕጋዛ ኣብ ዝብል ኣጀንዳ ክዘራረቡ’ዮም።
እዚ ደምበ ህጹጽ ኣኼባ ዝጸውዐ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ብራስለስን ሙኒክን ድሕሪ ዝተገብረ ዋዕላታት፡ መርገጺ ኣመሪካ ካብቲ ቅድሚ ሎሚ ዝነበሮ ኣካይዳ ከም ዝልወጥ ላዕለዎት መራሕቲ ኣመሪካ ድሕሪ ምሕባሮም’ዩ።
እዚ ብፕረዚደንት ማክሮን ዝተጸውዐ ህጹጽ ኣኼባ፡ ኣመሪካ ምስ ሩስያ ንምዕራፍ ኲናት ዩክሬን ኣመልኪታ ኣብ እትዛራረበሉ ዘላ እዋን’ዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ምስ ላዕለዋይ ልኡኽ ኣመሪካ ንምዝርራብ ናብ ሪያድ ዘቕንዕ ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጸጥታ ዩክሬን ኣመልኪተን ኣኼባ ምጽዋዐን ትርጉሙ ከም ዘይርድኦ ሓቢሩ። “ነቲ ኲናት ክቕጽላ’የን ዝጸልያ፡” ዝበለ ላቭሮቭ፡ “እንታይ ክዘራረቡ ምዃኖም’ውን ክርድኣኒ ኣይከኣለን፡” ኢሉ።
ኣመሪካ ኣብቲ ዞባ ሰላም ንኽሰፍን ዩክሬንን ሩስያን ሕድገታት ክገብራ ከም ዘለወን ትኣምን።
ቅጥዒ