ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳ - ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ብምርድዳእ ክትረክብ ከምትተሓባበር ገሊጻ


ፕረ. ማክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሕሉ - 21 ታሕሳስ 2024
ፕረ. ማክሮን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝበጽሕሉ - 21 ታሕሳስ 2024

ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ዘካየዱ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ሃገሮም ኢትዮጵያ ብዘተ፡ ንዓለምለኸ ሕጊን ጎረባብቲ ሃገራት ብምኽባርን ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብ ከምትሕግዝ ሓቢሮም።

ፕረዚደንት ማክሮን ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝሃብዎ ሓባራዊ መግለጺ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማልያን ኣብ ኣንካራ ዝተበጽሐ ስምምዕ ከምዝድግፉ ሓቢሮም።

ፕረ. ማክሮን ብተወሳኺ ንትግባረ ስምምዕ ፕሪቶርያ ብዝምልከት ሃገሮም በቲ ግጭት ዝተተንከፉን ንመስርሕ ምስግጋር ፍትሒን ልዕልና ሕጊን ንምትሕግጋዝ ዘለዎም ድልየት ሓቢሮም።

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ቀረባ ንዝተሓደሰ ሃገራዊ ቤተ መንግስቲ ዝተዓዘቡ ክኾኑ እንከለዉ ፈረንሳ ብመንገዲ ናይ ፈረንሳ ናይ ልምዓት ኤጀንሲ 2 ሚልዮን ዩሮ ነዚ ፕሮጀክት ምልጋሳ ይፍለጥ።

ብተወሳኺ ብመሰረት ፕረዚደንት ማክሮን ፈረንሳ ንምሕዳስ ኣብያተ ክርስትያን ላሊበላ ገንዘባዊን ቴክኒካዊ ሓገዝን ከም እተበርክት ሓቢሮም።

ኣብ ኢትዮጵያ ንካልኣይ ጊዜ ዝበጽሑ ፕረዚደንት ማክሮን ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ወታሃደራዊ መደበር ፈረንሳ ዝርከበላ ጅቡቲ በጺሖም ምስ ፕረዚደንት ዑመር ገለ ተዘራሪቦም። ምስ ኣብቲ መደበር ዝርከቡ ወታሃደራት ፈረንሳ’ውን ተዘራሪቦም።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG