ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ፈረንሳይ ሰለስተ ጥርጡራት ኣሸበርቲ ብሓይልታት ፀጥታ ተቐቲሎም

French intervention police take up position near the scene of a hostage taking at a kosher supermarket in eastern Paris January 9, 2015, following Wednesday's deadly attack at the Paris offices of weekly satirical newspaper Charlie Hebdo by two masked gun

ናይ ፈረንሳይ ፕሬዝዳንት ፍራንስዋ ኦላንድ ሓድነትና መሳሪሕ ና እዩ ኢሎም።ንሶም ነዚ ዝገለፁ ኣብ ፈረንሳይ ብዛዕባ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ንህዝቦም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እዩ።ሰበስልጣን ፈረንሳይ ኣብዚ ሰሙን ኣብ ናይ ፈረንሳይ መፅሄት ቻርሊ ኢብዶ ምስ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ዝተጠርጠሩ ክልተ ሰባት ከምዝተቐተሉ ኣፍሊጦም ኣለው።ኣብ ካሊእ ኽፋል እታ ዋና ከተማ ኣብ ሓደ ናይ ዕዳጋ ማእኸል /ሱፐርማርኬት/ ንሓሙሽተ ሰባት ጨዊዩ ዝነበረ ዕጡቕ እውን ከምዝተቐተለ እቶም ሰበልስጣን ገሊፆም።ካብቶም ዝተጨውዩ ሓሙሽ እቶም ኣርባዕተ ተቐቲሎም ኣለው።

ጥርጡራት ሸሪፍን ሰይድን ኣብ ከተማ ዳማርቲን ኤን-ጎሌ ናብ ዝርከብ ዝተሓብእሉ ናይ መኽዘን ህንፃ ሎማዕንቲ ዓርቢ ኣብ ዝኣትውሉ እዋን ፍንጀራን ቶኽሲን ይስማዕ ነይሩ።ክልቲኦም ቅድሚ ምቕታሎም ወፂኦም ምትዃስ ከምዝጀመሩ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ነቲ ሱፐርማርኬት ዝተቖፃፀረ ወዲ 32 ዓመት ኣመድይ ኮውላባል ትማሊ ሓሙስ ኣብ ደቡባዊ ከተማ ፓሪስ ንሓንቲ ጓልኣንስተይቲ ፖሊስ ዝቐተለ ምዃኑ እውን ይእመን።ምስኡ ከምዝነበረት ንዝተገልፀት ሓያት ቦውመዲን ሰበስልጣን ይደልዩዋ ኣለው።ብቕድሚ ትማሊ ረቡዕ ን12 ሰባት ምስ ቐተሉ ሸሪፍን ሰይፍን ክዋቺ ርከብ ከምዘለዋ ምንጭታት ይሕቡሩ።

XS
SM
MD
LG