ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ፈረንሳይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ስትራቴጂካዊ ሽርኽነት ንምምዕባል ኣብ ቻይና ወግዓዊ ምብጻሕ ይፍጽሙ


ናይ ፈረንሳይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮ
ናይ ፈረንሳይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮ

ናይ ፈረንሳይ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ቻይና ትሃንፆ ኣብዘላ ግዙፍ ተበግሶን ፕሮጀክትን ‘’Belt and Road’’ ቻይናን ኣውሮጳን ብሓባር ክሰርሓ ኣለወን ኢሎም።ንሶም ነዚ ዝበሉ ሎሚ ሶኑይ ኣብ ዝጀመርዎ ናይ ቻይና ወግዓዊ ዑደት እዮም።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን ነዚ ዑደቶም ኣብ ምብራቕ ቻይና ኣብ ዝርከብ ጥንታዊ መተሓላለፊ መስመር ሽያን ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር ዑደት ብምፍፃም ጀሚሮም ኣለው።

ንሶም ንነጋዶ፣ምሁራንን ተማሃሮን ኣብዘስምዕዎ መደረ እዚ ይህነጽ ዘሎ ዘመናዊ መንገዲ ‘’Silk Road‘’ ናይ ቻይናዊያን ጥራሕ ኣይኮነን ኢሎም።

“እቲ መንገዲ ዝሓልፈለን ሕድ ሕድ ሃገራት መንገድታት ፍልጠትን ብልሕን ዝኾነሉ፣ስቪል ማሕበረሰብ፣ክእለት፣ናይ ምምሃዝ ዓቕሚ ዝዕምበለን ሃገራት ክኾና ኣለወን።”

ድሕሪ ናይ ሰለስተ መዓልታት ናይ ሺያን ዑደቶም ማክሮንን ምስ ዝመርሕዎም ላዕለዎት ፈፀምቲ ንግድን ሰበስልጣን መንገድታትን ኣብ ቤጂንግ ክበፅሑ እዮም።

ፕረ. ማክሮን ኣብ ፀረ ግብረ ሽበራን ለውጢ ኩነታት ኣየርን ዝኣመሰሉ ጉዳያት ናይ ቤንጂንግ ስትራተጂያዊ ምሕዝነት ክህልው ዘለዎም ድልየት'ውን ገሊጾም።ብተወሳኺ ናይ ፓሪስ ስምምዕ ኩነታት ኣየር ኣብ ግብሪ ኣብ ምውዓል ምሕዝነት ፕረዚደንት ሺን ዢንግፒንግ ከምዘድልይ ሓቢሮም።

እቲ ናይ ‘’Belt and Road’’ፕሮጀክት ኣብ 2013 ዓ.ም ወግዓዊ ክኸውን ከሎ ዕላምኡ ንቻይና ምስ ደቡብ ምብራቕ ኢስያ፣ፓኪስታን፣ማእከላይ ኤስያ ካብኡ ሓሊፉ ምስ ማእኸላይ ምብራቕ፣ኣውሮጳን ኣፍሪቃን ብመንገድን ብባሕርን ንምርኻብ እዩ።

ፕረዚደንት ሺ ነቲ ፕሮጀክት 124 ቢሊዮን ዶላር ንምምዳብ ቃል ኣትዮም፤ ምዕራባዊያን ሃገራት ነቲ ፕሮጀክት ብጥርጣረ ይረአ፤ብልፅግና ንምስፍሕፋሕ ከይኮነስ ናይ ቻይናዊያን ፅልዋ ንምሕያል እዩ ይብል።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG