ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ መጥቃዕቲ ፓሪስ ፖሊስ ፈረንሳ ሓለዋን ተፍታሽን የጽንዑ


ድሕሪ'ቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ለይቲ ኣብ ፓሪስ ዝ

ተፈጸመ መጥቓዕቲ ግብረ-ሽበራ ፖሊስ ኣብ መላእ እታ ሃገር ሃንደበታዊ ፍተሻ ብምክያድ ን23 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ምውዓሎም ሰበስልጣን ፈረንሳይ ገሊጾም።ቀንዲ መራሒ እቲ መጥቓዕቲ ፈሊጥናዮ ኣለና 'ውን ኢሎም ሰበስልጣን ፈረንሳ።

ብመሰረት ሓበሬታ ሰበ-ስልጣን ፈረንሳ ኣብ ሽዱሽተ ከባቢታት ከተማ ፈረንሳይ ንዝተፈጸሙ መጥቓዕታት መራሒኡ ብዜግነት ቤልጅማዊ ብትውልዲ ድማ ሞሮካዊ ዓብዲልሓሚድ ኣባውድ ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም።

ኣብ ናይ ሙዚቃ ምርኢት፣ናይ ፈረንሳይ ፕሬዝዳንት ፍራንስዋ ኦላንድ ብኣካል ይሪኡዎ ኣብ ዝነበሩ ግጥም ኩዕሶ እግሪ፣ኣብ ባራትን ኣብያተ ምግብን ብዝተፈጸሙ መጥቓዕትታት ሽበራ 129 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው።

ዓብዲልሓሚድ ኣባውድ ኣብ መጀመሪያ እዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ፖሊስ ኣብ ቤልጅም ኣብ ዘፍሸሎ ሽበራዊ መጥቓዕቲ ብሰበስልጣን ይደለ ነይሩ።

ነቲ መጥቓዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ዳዕሽ ፈረንሳይ ቀዳማይቲ ዒላማ መጥቓዕትታቱ ኮይና ከምእትቕጽል ኣጠንቂቑ’ሎ።

ንፈረንሳይ ሓዊሱ ዩናይትድ ስቴትስን መሻርኽታን ኣብ ዒራቕን ሶሪያ ይፍጽምኦ ንዘለዋ ደብዳብ ነፈርቲ ግብረመልሊ እዩ ኢሉ ዳዕሽ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኣብዝዘርግሖ መልእኽቲ።

እቲ ኣሸባሪ ጉጅለ ሎሚመዓልቲ ኣብ ዝዘርግሖ ሓድሽ ናይ ቪዲዮ መልእኽቱ ዋሽንግተን ኣብ ፓሪስ ምስ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ዝመሳሰል ክትጽበ ኣለዋ ክብል ኣጠንቂቑ’ሎ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ቱርኪ ዝተኣከቡ መራሕቲ ጉጅለ 20 /G-20/ ናይ ስለያ ሓበሬታ ምቅይያሮም ከሐይሉ፣ሓለዋ ድንበራት ከጽንዑን ናብ ኣሸበርቲ ዝውሕዝ ገንዘብ ክበትኩን ሎሚመዓልቲ ቃል ኣትዮም ኣለው።

ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ባራክ ኦባማ ኣብ ቱርኪ ምስ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ብምርኻብ ተዘራሪቦም ኣለው።ምስ ናይ ሩሲያ ፕሬዝዳንት ቪላድሚር ፑቲን እውን ኣብ ጎናዊ ኣኼባ ተዘራሪቦም።ፕረዝደንት ኦባማ ሃናጺ ዝርርብ ኣካድና ኣለና ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣብ ፓሪስ ንዝተፈጸመ ግብረ-ሽበራዊ መጥቓዕቲ ናይ ሓዘን መግለጺ ምልኣኾም ዝበጽሐና ዜና ሓቢሩ።በቲ መጥቓዕቲ ንዝተጎድኡ ወገናት እውን ጽንዓት ይሃብኹም ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ድሕሪ መጥቃዕቲ ፓሪስ ፖሊስ ፈረንሳ ሓለዋን ተፍታሽን የጽንዑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:22 0:00

XS
SM
MD
LG