ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳይ ንመዕቖቢ ስደተኛታት ካሊ ባዶ ምትራፉ ኣዊጃ


ሰበስልጣን ፈረንሳይ ‘’ጫካ’’ /the Jungle/ ብዝብል ዝፍለጥ መዕቖቢ ስደተኛታት ካሊ ባዶ ምትራፉ ሎማዕንቲ ረቡዕ ኣዊጆም።

ስደተኛታት ተገዲዶም ቅድሚ ምውፅኦም ንቶም መፅለሊ ብሓዊ ከምዘንደዱዎን ዝዓበየ ክፋል እቲ ካምፕ ሎማዕንቲ ረቡዕ ብሓዊ ተባሪዑ ከምዝነበረን ተፈሊጡ’ሎ።

ነቲ ባርዕ ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ባርዕ ሓዊ ኣጥፊኦምዎ።

ሰበ ስልጣን ፈረንሳይ ናይ ኣውሮፓ ስደተኛታት ቅልውላው መርኣያ ተገይሩ ዝተርኣየ ስደተኛታት ኣዕቒቦምሉ ዝነበሩ ካምፕ ካሊ ናይ ምፅራይ ስርሒት ፈፂሞም ኣለው።

ወሃቢ ቃል ምምሕዳር እቲ ከባቢ ሓደ ስደተኛ ብዝወረዶ ቀሊን ናይ ሓዊ መቑሰልቲ ሆስፒታል ምእታው ገሊፆም።

please wait

No media source currently available

0:00 0:00:41 0:00

XS
SM
MD
LG