ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ፈረንሳ ክልተ ኣባላቱ ንዝቐተሉ ኣጥቃዕቲ ይሃድን


ፖሊስ ፈረንሳ ንኽልተ ኣባላት ሓለዋ ፖሊስ ቀቲሎም ንሳልሳይ ድማ ብኸቢድ ዘቝሰሉ ኣጥቃዕቲ ንምሓዝ ይጓየ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ። እቶም ዕጡቓት ንሓደ ብገበን ቅትለት ተፈሪዱ፡ ኣብ መንጎ ግን ንኻልእ ምርመራ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ተጸዊዑ፡ ብፖሊስ ተዓጂቡ፡ ይኸድሉ ኣብ ዝነበረ እዋን’ዩ ነቲ መጥቃዕቲ ፈንዮም። ድሕሪኡ ነቲ ዝድለ ሰብ ሒዞም ምስዋሮም ተፈሊጡ ኣሎ።

ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተኻየደላ ኡረ ዝተባህለት ኣብ ሰሜን ፈረንሳ እትርከብ ከተማ፡ ንኣጥቃዕቲ ንምህዳን ኣስታት 450 ኣባላት ሓይሊ ፖሊስ ተዋፊሮም ምንባሮም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ንሃድን እቶም ዝተሰወሩ ኣጥቃዕቲ ኣመልኪቱ፡ “ምሕረት ኣይክንገብርን ኢና፡” ክብል ኣብ ማሕበራዊ ገጻት ኤክስ ሓቢሩ።

ፖሊስ ፈረንሳ ነቲ በቲ ስርሒት ካብ ማእሰርቲ ዘምለጠ ኣሕመድ ኣምራ ወይ በቲ ልሙድ መጸውዒ ስሙ “ዘ ፍላይ” ("The Fly") ኣብ ዝተረኽቦ ተኣሲሩ ክርከብ ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ። ፖሊስ ኣብቲ ስርሒት ዜጋታት ካልኦት ሃገራት’ውን ከም ዝተሳተፉ ጠቂሱ'ሎ።

ፈረንሳ ውድድር ኦሎምፒክ ንምእንጋድ ኣብ እትቀራረበሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ በበይኑ ወገናት እታ ሃገር ዝርአ ስእነት ጸጥታ ንብዙሓት ወገናት ስክፍታ ፈጢሩ ዘሎ’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG