ዋሽንግተን —
ፖሊስ ፈረንሳ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት'ታ ሃገር ዝተዘርግሑ መስመራት ፋይበር ኦፕቲክስ “ካብ ጥቅሚ ወፃኢ” ከምዝኾኑ ምሕባሩ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይገልጽ። ፖሊስ'ታ ሃገር ነዚ ዝገለፀ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ መጉዓዝያ ባቡር መጥቃዕቲ ድሕሪ ምግጣሙ ሰለስተ መዓልቲ'ዩ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ መስመር መጉዓዝያ ባቡር ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ከተማ ፓሪስ ንመኽፈቲ ግጥማት ኦሎምፒክ ኣብ ትጽንብለሉ ዝነበረ እዋን'ዩ።
ፖሊስ ወሲኹ በስንኪ ምቁራጽ መስመራት ፋይበር ኦፕቲክስ መስመራት ቴሌኮም ካብ ሰንበት ናብ ሰኑይ ኣብ ዘውግሕ ኣብ ሽዱሽተ ቦታታት ከምዘይሰርሐን ሓቢሩ።
ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ነቶም ግዳያት መጥቃዕቲ ዝኾኑ ንFreeን SFRን ንዝተባህሉ ዓበይቲ ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላት ሓዊሱ ከምዘረጋገፆ በቲ መጥቃዕቲ ዛጊት ዝተመዝገበ ከቢድ ዝበሃል ሓደጋ ዘይምህላዉ ኣረጋጊፁ።
ነቲ መጥቃዕቲ ክሳብ ሕጂ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ከምዘየሎ ምንጭታት ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይሕብሩ።
ቅጥዒ