ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓረስቶት ፈረንሳ ናብ ፓሪስ ዘእቱ ጽርግያ ይዓጽዉ


 ኣድማ ሓረስቶት ፈረንሳ
ኣድማ ሓረስቶት ፈረንሳ

ናብ መንግስቲ ዘቕረቡዎ ሕቶታት ከም ዘይተመለስሎም ዝገልጹ ፈረንሳውያን ሓረስቶት፡ ናብ ፓሪስ ዘእቱ መንገድታት ዓጽዮም ምድንጓይ መጓዓዝያ ምኽታሎም ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ድሕሪ ኲናት ዩክሬን ዋጋታት ድዅዒ ምውሳኹን ካብ ካልኦት ሃገራት ብሕሱር ዋጋ ዝኣቱ ፍርያት ንስራሓቶም ይሃስዮም ምህላዉ ሓረስቶት ይጠቕሱ።

ሓድሽ ቀዳማይ ሚኒስተር ፈረንሳ ጋብሬኤል ኣታል፡ ነቲ ንሰሙን ከዘራረብ ዝጸንሐ ኣድማ ክኸላኸሎ ዘይምኽኣሉ ተሓቢሩ ኣሎ።

እቶም ሓረስቶት ትራክተራት ብምጥቃም’ዮም ጽርግያ ዓጽዮም ዘለዉ፡ ፓሪስ ነቲ ዝካየድ ዘሎ ኣድማ ድሕነቱ ንምሕላው 15-ሽሕ ኣባላት ፖሊስ ኣዋፊራ ኣላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG