ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢማኑኤል ማክሮን ፕረዝደንት ፈረንሳ ኮይኑ ተመሪጹ


ሓድሽ ምሩጽ ፕረዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን
ሓድሽ ምሩጽ ፕረዝደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን

ሕብረት ኣውሮጳ ንምቅጻል ዝድግፉ ፈረንሳውያን፡ ማእኸላይ መርገጺ ንዘለዎ ኢማኑኤል ማክሮ ሓድሽ ፕረዝደንት’ታ ሃገር ክኸውን መሪጾምዎ። መወዳደርቱ ዝነበረት ጸረ ሕብረት ኣውሮጳን ጸረ ስደተኛታትን መርገጺ ዘለዋ ማሪን ለፒን ስዕረታ ተቐቢላ`ላ።

ድሕሪ’ቲ ትማሊ ዝተኻየደ ምርጫ ዝወጸ መባእታዊ ውጽኢታት ኢማኑኤል ማክሮን 65 ሚእታዊት ድምጺ ደገፍ ክረክብ ኸሎ ማሪን ለፒን ኸአ 34.5 ሚእታዊት ድምጺ ከምዝረኸበት ኣርእዩ’ሎ።

39 ዝዕድሚኡ በዓል ሞያ ባንክን ሚኒስተር ኢኮኖሚ እታ ሃገር ኮይኑ ዘገልገለን ኢማኑኤል ብዕድመ ዝነኣሰ ፕረዝደንት ፈረንሳ ኮይኑ ኣሎ።

ንሱ ካብ ነባራት ፓርትታትን ፖለቲካ ዘይኾነ ብውልቁ ነጻ ተወዳዳራይ ምንባሩ’ውን ይፍለጥ።

ብካልእ ወገን ሕጂ ነታ ተኸፋፊላ ዘላ ሃገር ሓድሽ ለውጢ ከምጽእ ጾር ኣብ ዝባኑ’ዩ ዝብሉ ወገናት’ውን ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢማኑኤል ማክሮ ፕረዝደንት ፈረንሳ ኮይኖም ተመሪጾም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:15 0:00

XS
SM
MD
LG