ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖሊስ ፈረንሳ ቤት ጸሎት ኣይሁድ ንዘቃጸለ ኣጥቃዒ ቀቲሉ


ፖሊስ ፈረንሳ፡ሮን ኣብ እትብሃል ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ፈረንሳ እትርከብ ከተማ፡ ሎሚ ዓርቢ፡ ሓደ ዜጋ ናብ ቤት ጸሎት ኣይሁዳውያን (ምዅራብ) ቦምባ ብምድርባይ ከፊላዊ ናይ ህንጻ ዕንወት ንዝገበረ ዜጋ ቀቲሉ።

መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዜጋ፡ ናብቶም ፖሊስ ሓጺን ብምድርባይ ክቐትሎም ምዃኑ ድሕሪ ምፍርራሑ’ዮም ተኲሶም ቀቲሎሞ፡፡

እቲ ቤት መቕደስ ከፊላዊ ምቅጻል ሓዊ ኣጋጣሚዎ ገለ ወገኑ እኳ እንተ ተሃስያ፡ ጸኒሑ ግን ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ምውዓሉ ተሓቢሩ። እንተዀነ ኣብ ሰባት ዝወረደ ሓደጋ የሎን።

ድሕሪ ምውላዕ ኲናት ማእከላይ ምብራቕ፡ ከም ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ኣንጻር ዓሌት ሴምነት ዘሎ ጽልኢ እናዓበየ ምምጻኡ ይፍለጥ።

ፈረንሳ ድሕሪ ክልተ ኣዋርሕ ውድድር ኦሎምፒክ ንምትእንጋድ ኣብ እትቀራረበሉ ዘላ እዋን’ዩ እዚን ካልእ ተመሳሳሊ ስግኣታ ጸጥታን ዘጋጥማ ዘሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG