ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፈረንሳ ኣብ መዓልቲ ደቀንስትዮ መሰል ምንጻል ጥንሲ ኣብ ሕገመንግስታ ኣስፊራ


ፓርላማ ፈረንሳ
ፓርላማ ፈረንሳ

ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝተኻየደ ፍሉይ ስነ-ስርዓት፡ ሚንስተር ፍትሒ ፈረንሳ ኤሪክ ሞረቲ፡ ነቲ ካብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ዝጸንሐ ማሕተም ኣብቲ ዝተመሓየሸ ሕገ-መንግስቲ ኣቐሚጡ`ሎ።

እቲ ስጉምቲ ኣብ መጀመርያ`ዚ ሰሙን ካብ ፓርላማ ዓብላሊ ድጋፍ ረኺቡ`ዩ። በዚ ድማ ፈረንሳ ኣብ ሕገ-መንግስታ ብምንጹር መሰል ምንጻል ጥንሲ ዘስፈረት ቀዳመይቲ ሃገር ኮይና`ላ።

ኣብ ኣብ ኣመሪካ ምንጻል ጥንሲ ገና ዓቢይ ጉዳይ መካትዒ ክኸውን ከሎ ኣብ ዳርጋ ኩለን ሃገራት ኤውሮጳ ግን ፍቑድ `ዩ፡ ፈረንሳ ድማ ምሉእ ብምሉእ ኣጽዲቓቶ።

እቲ ሎሚ ኣብ ፈረንሳ ኣብ ሕገ-መንግስቲ ዝሰፈረ መሰል ምውራድ ጥንሲ ካብ ዙርያ ዓለም ካብ ተቓለስቲ መሰል ደቀንስትዮ ናእዳ ይውሕዘሉ`ሎ።

ገለ ነቐፍቲ ግን ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማእክሮን ኣብዚ እዋን ኣብ ፈረንሳ ዘለዋ ደቀንስትዮ ዘለወን ዝያዳ ጸገም ካልእ ምዃኑ እናተፈልጠ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምልዓሉ ስለምንታይ ክብሉ ይሓቱ።

ማክሮን ብወገኑ ከምዚ ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ተርእዮታት ከይመጻና ኸሎ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕያሽ ክንገብር ግድን `ዩ ዝብል ምላሽ ሂቡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG