ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ራብዓይ ዙር ልዝብ ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ


ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ራብዓይ ዙር ልዝብ
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝካየድ ዘሎ ራብዓይ ዙር ልዝብ

ኣብ ጉዳይ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ግብፅ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ራብዓይ ዙር ልዝብ ሎሚ 18 ታሕሳስ 2023 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምጅማሮም ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ኢንጂ. ስለሺ በቀለ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ(ኣቐዲሙ ትዊተር ዝጽዋዕ ዝነብረ) ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ ኣፍሊጦም።

እዚ ናይ ሎሚ ልዝብ ነቲ ኣብ ሓምለ 2023 ኣብ ቀዳማይሚንስተር ኣብይ ሓመድን ፕረዚደንት ግብፂ ዓብዱልፈታሕ ኤል-ሲሲን ዝተበጽሓ ሓባራዊ መግለጺ ስዒቡ መሰረት ኣብ ዙርያ ፈላማይ ምምላእ ግድብ ህዳሴን ዓመታዊ ፍፃመታትን ዝዳለው ሕግታትን መምርሒታትን ብዝቐልጠፈ ንምዝዛም ልዝብ ንምጅማር ምዃኑ ኢንጂ. ስለሺ በቀለ ወሲኾም ሓቢሮም።

ራብዓይ ዙር ልዝብ ቅድሚ ምጅማሩ ሰብ ሞያ ቴክኒክ ሰለስቲአን ሃገራት ናይ ሓደ መዓልቲ ኣኼባ ምክያዶም ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኣቐዲሞም ዝተኻየዱ ልዝባት ብዘይስምምዕ ምዝዛሞም ግብፅን ኢትዮጵያን ነሓድሕደን ይካሰሳ ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG