ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ 4 ኣባላት ኣመራርሓ ኦፌኮ ብገበን ምድፋር ቤት ፍርዲ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ተወሳኺ ማእሰርቲ ተወሲኑዎም


ኣቶ በቀለ ገርባ ሓዊሱ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኣርባዕተ ኣባላት ኣመራርሓ ተቓዋሚ ፓርቲ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ንቤት ፍርዲ ብምድፋር ገበን ተወሳኺ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ማእሰርቲ ተወሲኑዎም።ኣብ ዝሓለፈ ብተመሳሳሊ ገበን ምድፋር ቤት ፍርዲ ሽዱሽተ ወርሒ ተቐፂዖም ነይሮም።

ኣቶ በቀለ ገርባ፣ኣቶ ጉርሜሳ ኣያኖ፣ኣቶ ደጀነ ጣፋን ኣቶ ኣዲሱ ቡላላን ሎሚ ቤት ፍርዲ ኣብዝቐረብሉ እዋን መጋባእያ ንምስያም ቤት ፍርዲ ኣሽማት ተኸሰስቲ ክፅውዕ ከሎ ተኸሰስቲ ኮፍ ካብ ዝበልሉ ከይተልዓሉ ብኢዶም ምልክት ብምሃቦም ቤት ፍርዲ ምኽንያቶም ክገልፁ እንተሓተተ እውን ንምዝራብ ፍቓደኛ ከይኾኑ ተሪፎም።ጠበቕኦም መልሲ ክህቡ ኣዚዙ ዳኛታት ይሪኡና ኣለው፤ብኣእዳውና እውን ኣሪና ኣለና፤ኣብ ዝሓለፈ ቆፀሮ ዝተቐፃዕና ብምዝራብና ስለዝኾነን ምዝራብ ኣይድለየናን ብምባል ብጠበቕኦም ተዛሪቦም።

ብመሰረት ስነስርዓት መቕፅዒ ሕጊ ደው ክብሉ ዝግደድሉን ዘይግደድሉን ከምዘሎ ዝገለፁ ጠበቕኦም ኮፍ ካብዝበልሉ ብዘይምልዓሎም ንስነስርዓት ኣዋሃህባ ፍትሒ ናይ ቤት ፍርዲ ኣይትንክፍን እዩ ኢሎም።ቤት ፍርዲ ነቲ ርእይቶ ድሕሪ ምስማዕ ንቤት ፍርዲ ብምድፋር ሽዱሽተ ኣዋርሕ ቀፂዑዎም ኣሎ።ኣብ ዝሓለፈ ብተመሳሳሊ ዝተፈረደኦም ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብምኳኑ ብድምር ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ኮይኑ’ሎ።

XS
SM
MD
LG