ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሞቃዲሾ ኣብ ሓደ ሆቴል ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ 4 ሰባት ሞይቶም


ትማሊ ሰንበት ብጉጅለ ናዕበኛታት መጥቓዕቲ ኣብ ዝተፈፀሞ ኣብ ሞቓድሾ ዝርከብ ሆቴል ሎሚ እውን ሓዱሽ ፍንጀራን ቶኽሲ ተሰሚዑ።

ትማሊ ሰንበት ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ኣርባዕተ ሰባት ምሟቶም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ'ሎ።

በዓልስልጣን ፀጥታ መሓመድ ዳሂር "እቶም ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ እቲ ህንፃ ኣብ ሓደ ክፍሊ ተዓፂዮም ኣለው፤ሓይልታት ፀጥታ ድማ ነቲ ክባ ድሕሪ ሓፂር ጊዜ ክዛዝምዎ እዮም’’ ክብል ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ገሊጹ።

ብመሰረት መሰኻኽር ዓይኒን ፖሊስን ዕጡቓት ኣል ሸባብ ካብ ቤተ መንግስቲ ብዙሕ ርሑቕ ኣብዘይኮነን ፀጥትኡ ሕሉው ኣብ ዝኾነን ከባቢ ንዝርከብ ሆቴል ቪላ ሬይንስ እዮም ኣጥቒዖም። ሰበስልጣን መንግስትን ፖለቲከኛታትን ዘዘውትርሉ ሆቴል እዩ።

እቲ ናዕበኛ ጉጅለ ኣብ ናይ ቴሌግራም መልእኽቱ ተዋጋእቱ ርእሰቕትለታዊ ተልእኾ ምፍፃሞም ገሊፁ ኣሎ።

ፖሊስ ንብዙሓት ስቪላትን ሰበስልጣንን ከምዘድሓነ ገሊፁ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG