ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንምፍታሕ እሱራት ዝጠልብ ኢራናዊ ተሓላቂ መሰላት ነፍሰ ቅትለት ፈጺሙ


ከተማ ቴህራን - ፋይል
ከተማ ቴህራን - ፋይል

ኣርባዕተ ናይ ፖለቲካ እሱራት ናጻ እንተዘይተፈቲሖም ህይወተይ ከጥፍእ `የ ዝበለ ኢራናዊ ተቓላሳይ መሰላት፡ ድሕሪ ሰዓታት ነብሱ ኣጥፊኡ።

ንሰበስልጣን እስላማዊ ሪፓብሊክ ኢራን ዝቃወም ኪያኑሽ ሳንጃሪ ትማሊ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ኤክስ ዘውጽኦ መልእኽቲ እቶም ክልተ ደቂ-ተባዕትዮን ክልተ ደቀንስትዮን እንተዘይተፈቲሖም ርእሰ-ቅትለት ክፍጽም`የ ኢሉ ኔሩ።

ተሓለቕቲ መሰላትን ተቓወምትን ንዕኡ ክብሪ ብምሃብ፡ ስቕ ምባል ማዕረ ክንደይ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ መርኣያ`ዩ ይብልዎ ኣለዉ።

ኣብቲ ዝለኣኾ ናይ ኤክስ መልእኽቲ፡ "ኣንጻር ምልካውነት ኣያቶላ ዓሊ ኻማኒን ጉጅልኦምን ህይወተይ የጥፍእ ኣለኹ" ድሕሪ ምባል "ህይወተይ ዘጥፍእ ዘለኹ ንህይወት ካልኦት ብዘለኒ ፍቕሪ እምበር ናይ ሞት ፍቕሪ ከም ዘይኮነ ክንግንዘብ ይግባእ" ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ። እዚ ተሓላቒ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ድምጺ ኣመሪካ ክፍሊ ቋንቋ ፋርሲ ጋዜጠኛ ኮይኑ ሰሪሑ ኔሩ። ኣብ ቴህራን ካብ ህንጻ ብምዝላል`ዩ ህይወቱ ኣጥፊኡ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG