ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለፂ ቶማስ ስቶል - ዳይረክተር USAID ጨንፈር ኢትዮዽያ ዝነበሩ


ቶማስ ስቶል
ቶማስ ስቶል
ትካል ባሕሪ-ሰገር ልምዓት ኣሜሪካ (USAID)፣ ኣብ ዘፈራት ጥዕናን ትምህርትን ዝራኣዩ ለውጢታት ኣብ ምምዝጋብ እጃም ከምዘለዎ ዳይረክተር ጨንፈር USAID ኢትዮዽያ ዝነበሩ ቶማስ ስቶል ገሊፆም።ንሶም ነዚ ሪኢቶ ዝሃቡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ኣዳራሽ ማእከል ዓለም-ለኸ መፅናዕቲን ስትራተጂን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ‘ዩ።

ቶማስ ስታል ብሕልፊ ኣብ ትምህርትን ጥዕናን ኣማእኪሎም USAID ኣብ ኢትዮዽያ ዘመዝገቦም ዓወታት ብዝርዝር ኣቅሪቦም‘ዮም።ኣብ ገፀር ኢትዮዽያ ጥዕናን ቁጠባዊ ምዕባለን ቀጥታዊ ምትእስሳር ኣለዎም ይብሉ።

45 ሚልዮን ህዝባ ኣብ ስቡሕ መርየት ወይካኣ ኣብ ልምዕቲ ኢትዮዽያ፣ 20 ሚልዮን ህዝባ ኣብ ደረቅን ወይ ጥምየት ዝኽሰተላ ኢትዮዽያ፣እቲ ዝተረፈ 14 ሚልዮን ህዝባ ድማ ሰበኽ-ሳግም ኮይኑ ዝነብረላ ሃገር፣ብሓፂሩ ሰለስተ ዓይነት ኢትዮዽያ‘ያ ዘላ ይብሉ።

ኣብ ጉዳይ ተበግሶ ጥዕና ኣማእኪሎም ክዛረቡ ከለው፣ርሑቅ ገፀራት ጥር ዝብል ትካል ጥዕና ዘይነበረሉ ጊዜ ከምዝነበረ፣USAID ምስ መንግስቲ ተሓጋጊዙ 35 ሽሕ ነርስታት ንክስልጥና ከምዝሓገዘን ናብ ርሑቅ ገፀራት ተዋፊረን መሰረታዊ ፅርየት፣ምግብናን ጥዕናን ከምዝልግሳን ሓቢሮም።

ፕሮግራም ሴፍቲኔት ኣዝዩ ውፅኢታዊ ዝኾነ ፕሮግራም‘ዩ ይብሉ ንሶም። ኣስዒቦም”ንብርክት ዝበሉ ብሴፍቲኔት ዝተሓቆፉ ዞባታት በፂሔ‘የ፣ነቂፁ ዝነበረ ከባቢ ሚልዮናት ፈልስታት ስለዝተተከሎ ለሚዑ‘ዩ፣ንገለ ሓረስቶት‘ውን ኣዘራሪበ‘የ።ቅድሚ ዓመታት ሩባታትና ነቂፆም ነይሮም፣ሳላ ሴፍቲኔት ግና ሎሚ ራሕሲ ተመሊሱ‘ዮም ኢሎምኒ።እንተኾነ ኣብ ክፍፍል ንሴፍቲኔት ዝብጀት ገንዘብ ሻቅሎት ኣለና።ኣብ ድልየት ጥራሕ ዝተመርኮሰ ክኸውን ኣለዎ ኢና ንብል።ከይሰልከና‘ውን ንከታተሎ ኢና” ኢሎም።

ምስ መንግስቲ ኢትዮዽያ ዝነበሮም ርክብ ብኣዎንታ ዝግለፅ፣ሓቂ ንምዝራብ ኣብ ጉዳያት ዴሞክራሲ፣ሲቪላዊን ሰብኣዊ መሰላትን ኣፀጋሚ ርክብ‘ዩ ዘለና፣ እዚ ዘጠራጥር ኣይኮነን ኩሉ-ጊዜ ኣይንሰማማዕን።እንተኾነ መርገፂና ንፁር ንገብረሎም ኢና ኢሎም።
ሙሉእ ሪፖርት ስዒቡ ቀሪቡ‘ሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:09 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG