ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጓል 27 ዓመት ሶማሊያት-ኣመሪካዊት ከንቲባ ሰንት ልዊስ ፓርክ ኰይና ተመሪጻ


ናድያ መሓመድ
ናድያ መሓመድ

ሶማላዊት-ኣመሪካዊት ጓል 27 ዓመት ናድያ መሓመድ ከንቲባ ከተማ ሰንት ልዊስ ፓርክ ክፍለ-ግዝኣት ሚኒሶታ ኣመሪካ ንኽትከውን ተመሪጻ። ናዲያ መሓመድ ነዚ መዝነት ዝበቕዐት ቀዳመይቲ ጸላም ኣመሪካዊት ተኸታሊት እምነት እስልምና ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ ኣላ።

ኣብቲ ውድድር 58% ድምጺ ዝረኸበት ናዲያ መሓመድ፡ ንናይ ቅድም ሰራሕተኛ ባንክን ዳሕራይ ድማ መምህርን ዝዀነ መወዳደርታ ደል ኣንደርሶን ስዒራ'ያ። እታ ምርጽቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ናይ ዝመጽእ ዓመት ቃለ-ማሕላ ፈጺማ ስራሓ ክትጅምር’ያ።

ኣብታ ከተማ ስንት ልዊስ ፓርክ ዝዓበየትን ዝተማህረትን ናዲያ፡ ገና ጓል 23 ዓመት እንከላ ናብ ፖለቲካ ብምእታው ኣብ 2019’ውን ኣባል ቦርድ ምምሕዳር’ታ ከተማ ንምዃን ተመሪጻ ነይራ’ያ።

ናዲያ መሓመድ ጓል 10 ዓመት እንከላ’ያ፡ ምስ ስድራቤታ፡ ስደተኛ ኰይና ናብታ ኣስታት 50-ሽሕ ነባሪ ዘለዋ ከተማ ስንት ልዊስ ፓርክ መጺኣ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG