ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰበስልጣን ነበር ክልል ሶማሌ ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ፖልስ እቲ ክልል ኣፍሊጡ


map of Ethiopia
map of Ethiopia

መንግስቲ ክልል ሶማሌ ብዝተፈላለዩ ገበናት ጠርጢረዮም ዝበሎም ሸውዓተ ናይ ቀደም ሰበስልጣናት እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ እቲ ክልል እቶም ተጠርጠርቲ ሰባት ኣብቲ ክልል ናይ ነገድ ግጭት ብምልዕዓል ነቲ ናይቲ ህዝቢ ለውጢ የዐንቅፉን ህውከት ይዝርግሑን እዮምዝበሉዎ ብምልዕዓል ከሲሶምዎም ኣለው።

ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ተጠርጠርቲ ምርመርኦም ኣብ ቀረባ ተወዲኡ ናብ ዓቃቢ ሕጊ ከምዝልኣኽ ናይቲ ክልል ፖሊስ ምኽትል ኮሚሽነርን ሓላፊ ምፅራይ ገበንን ኮማንደር መሓሙድ ሽኽ ኣሕመድ ገሊፆም።ተጠርጠርቲ ናይ ሶማሌ ምኽትል ፕሬዝዳንት ዝነበሩ ኣቶ ዓብዱል ፈታሕ መኣሊን ናይ ፀጥታ ቢሮ ሓላፊ ዝነበሩ ዓብዱላሂ ዩሱፍ ሓዊሱ ሸውዓተ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ውዒሎም ኣለው ይብል ፀብፃብ ኣዲስ ቾከል።

XS
SM
MD
LG