ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነበር ቡጥሩስ ቡጥሩስ ጋሊ ዓሪፎም


ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነበር ቡጥሩስ ቡጥሩስ ጋሊ ዓሪፎም ክብሉ ፕረዝደንት ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ሎሚ ኣፍሊጦም።

ብጥሩስ ጋሊ ኣብ መበል 60 ዓመት ዕድሜኦም ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብምኳን ዘገልገሉ ሰብ'ዮም። ግብጻዊ ፖለቲከኛን ዲፕሎማትን ዝኾኑ ብጥሩስ ጋሊ ካብ 1992-1996 ዓ.ም.ፈ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ምንባሮም ይዝከር።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሚሞም ኣብ ሆስፒታል ካይሮ ክሕከሙ ድሕሪ ምጽናሕ'ዮም ሎሚ ዓሪፎም። ብጥሩስ ጋሊ ኣብ መበል 93 ዓመቶም ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዮም።

XS
SM
MD
LG