ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ወጻእተኛ ኣባል ኣልሸባብ ኣብ ሶማል ተታሒዙ


ሓይልታት ፀጥታ ሶማልያ ኣብ ማእከላይ ሶማልያ ከተማ ጋልካዮ ብዘካየድዎ ስርሒት ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣል-ሸባብ ከምዝሓዙ ኣፍሊጦም።

ነዚ ዘፍለጡ ኣዛዚ ወታደራዊ ሓይሊ ሶማልያ ዓሊ ባሺ መሓመድ ዖማር ንመንግስታዊ ኣገልግሎ ዜና ሱማሊያ ኣብ ዝሃብዎ ቃል እዩ።

ብኣመሪካ ዝሰልጠነ ናይ ሶማልያ ኣሃዱ ኮማንዶ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒት ስዒድ ዓብዱላሂ ኣቡባካር ኣል-ሱዳኒ ሓዊሱ ሓሙሽተ ዕጡቓት ኣልሸባብ ተታሒዞም ከምዘለው ኣዛዚ ወታደራዊ ሓይሊ ሶማልያ ዓሊ ባሺ መሓመድ ዖማር ብተወሳኺ ገሊጾም።

ዜግነት ኣቡባካር ሱዳናዊ ኮይኑ: ቦምብታት ናይ ዝሰርሕ ጉጅለ ብሓላፍነት ዝመርሕ ናይ ኣል-ሸባብ ፍሉጥ ኣዛዚ እቲ ዞባ ነይሩ።

ናይ ኣርባዕቲኦም ሓላፍነትን ኣስማትን ዛጊት ዕላዊ ኣይኮነን።

XS
SM
MD
LG