ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካብ ሱዳን ዝወጹ ዜጋታት ቻይና ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ሃገሮም ይፋነዉ


49 ዜጋታት ቻይና ብሰንኪ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኲናት ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምእታዎም ትማሊ ሓሙስ ቤይጂንግ ምእታዎም ኤምባሲ ቻይና ኣብ ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

እቲ ኤምባሲ እዞም ዜጋታት ካብ ሱዳን ድሕሪ ምውጽኦም ብኢትዮጵያ ኣቢሎም ናብ ሃገራቶም ዝኣተው ካልኣይን ሳልሳይን ዙር ዲፕሎማት ምዃኖም ይገልጽ።።

እቶም ኣብ ክልተ ዙር ዝተፋነው 60 ቻይናዊያንኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ናብ ኢትዮጵያ ብሰላም ድሕሪ ምእታዎም ኣብ ከተማ ጎንደር ብዝተፈላለዩ ኣካላት ብዝተገብረሎም ምትሕብባር ተኣኻኺቦም ፀኒሖም ናብ ኣዲስ ኣበባ ብምምራሕ ካብ ኣዲስ ኣበባ ተበጊሶም ትማሊ ሓሙስ ቤይጂንግ ኣትዮም።

ጂን ዙኦቴንግ ዝተባህለ ሓደ ካብቶም ካብ ሱዳን ክወፁ ዝኸኣሉ ቻይናውያን ጉዕዞኦም ሰላማዊ ከምዝነበረን ብምትሕብባር ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ኤምባሲ ከምዝተፈፀመ ተዛሪቡ።

XS
SM
MD
LG