ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን


ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ንኢትዮጵያ ዝጠቕምን ነቲ ዘሎ ጸገማት ኣብ ምፍታሕ ዝሕግዝን እዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት አቶ መለስ አለም ገሊጾም።

ንሶም ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተላዕሉ ተቓውሞታት ግጭታትን ንሽዱሽተ ወርሒ ዝጸንሕ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ የካቲት 16 ምእዋጁ ብምግላጽ መጋቢት 2 ኣብ ዝተኻየደ ምውሃብ ድምጺ ኣባላት ፓርላማ ድማ እቲ ኣዋጅ 395 ብ88 ድምጺ ብምርኻብ ምጽዳቑ ሓቢሮም።

ኣብዚ እዋን ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ጎነጽን ጽልኢ ዘጉሃህሩ ምልዕዓላት ንዘኻየዱ ስጉምቲ ከምዝውሰድ ብምግላጽ ብተወሳኺ ሰባት ንናይ መጉዓዝያ ኣገልግሎት ካብ ምዕናውን ምዕንቃፍን ክቑጠቡ ኣተሓሳሲቦም ኣለው።

መግለጺ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:37 0:00

ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣቶ መለስ ኣለም ካብ ወጻኢ ሃገራት ንዝመጽእ ነቐፌታ ብዝምልከት እቲ ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ውሽጢ ጉዳይ ምኳኑን ብኢትዮጵያዊያን ጥራይ ክፍታሕ ኣለዎ ክብሉ መሊሶም።

“ ነዚ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ብዓለምለኸ መልኽዑ ክረአ ከሎ ምስ ዓለምለኸ ሕጊ ብዝተሓሓዝ ሓንቲ ሃገር ናታ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ናይ ምእዋጅ መሰል ኣለዋ። ስለዝኾነ ድማ ሃገራት ኣውሮጳ ኮነ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ዝኾነት ሃገር ንክልተ ሰለስተ ዓመት ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምእዋጅ ይኽእላ እየን። ስለዝኾነ ድማ እዚ ንዕኦም ቅኑዕ ንዓና ድማ ጌና እዩ ንማለት ኣይኾነን”ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ እቲ ኣዋጅ ኣብ ቁጠባዊ ምዕባለ እታ ሃገር ኣሉታዊ ጽልዋ ከይህልዎ ስግኣት ንዘለዎም ወገናት ብዝምልከት ከምዚ ክብሉ መልሲ ሂቦም።

“ ብጻዕርታት መንግስትን ኤምባሲታት ገለ ሃገራት ናብ ሃገርና ዝመጹ ነአሽቱ ኣውፈርቲ ኣለው እንተኾነ እቲ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ጽልዋ የብሉን ኣይብልን። ገለ ኣውፈርቲ’ውን ዕዳጋ ይስእኑ ምህላዎም ገሊጾም ኣለው ነዚ ንምፍትሕ’ውን ጻዕርታት ይኻየድ ኣሎ” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG