ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ጸጥታ ስግኣት የለን” ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ


“ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ጸጥታ ስግኣት የለን” ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:08 0:00

“ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ጸጥታ ስግኣት የለን” ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ህጹጽ እዋን አዋጅ ኣብ ዝአወጀሉ ሕጂ እዋን ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ኣብታ ሃገር ናይ ጸጥታ ስግኣት የለን ክብሉ ኣፍሊጦም።

እቲ አዋጅ ዝወጸ ቀ/ሚ ሃይለማርያም ደሳለኝ ስልጣን የረክብ ኣለኹ ድሕሪ ምባሎም ድሕሪ ሓደ መዓልትን መንግስቲ ብዙሓት መራሕት ተቓወምቲን ነቕፍትን ድሕሪ ምፍትሑ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ኮይኑ ከም አካል ዕላማ ምዝሓል ፖለቲካዊ ውጥረት’ታ ሃገር እዩ ኢሎም።

ካብ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ተደጋጋሚ ጎንጺ ዝተሓወሶ ተቓውሞታት ህዝቢ ክትርኢ ዝጸንሓት ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ፓርቲታትን ብሄረሰባትን ናይ ስልጣን ምምርቓሕ ክግበር ክላዘብ ጸኒሑሞ’ሎ።

ሎሚ ሶሉስ ንአምባሳደራት ኣብ አዲስ አበባ መግለጺ ዝሃበ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ መንግስቲ ህጹጽ ግዜ አዋጅ ዘውጽኤ ነቲ ህውከት ብስሩዕ አገባብ ብሕጊ ምቁጽጻር ስለዘይክአለ’ዩ ኢሉ።

አምባሳደራት ግን ሻቅሎቶም ገሊጾም ኣለው። ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮጳ ጆን ቦርግስታም እቲ አዋጅ ካብ መንጎ መንግስትን ተቓወምትን ኣሳታፊ ልዝብ ከይግበር ዘተዓናቕፍ’ዩ ክብል ኸሎ አምባሳደር ኔዘርላንድስ ቤንግት ኮስደርች ድማ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኣብቲ ዝሓለፈ አዋጅ ህጹጽ እዋን ኣሽሓት አሲሮምን ሕማቕ ኣተሓሕዛ ፈጺሞምን’ዮም ክብል ነቒፉ።

ኤምባሲ ኣሜሪካ ብወገኑ ነቲ አዋጅ ህጹጽ እዋን ብኸቢድ ከምዝቓወሞ ብምግላጽ ኣብታ ሃገር ንዝርኣይ ጎነጻዊ ህውከት መፍትሒኡ ዝሓሸ ናጽነት እምበር ናጽነት ምጉዳል ኣይኮነን ኢሉ ኔሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

“ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ጸጥታ ስግኣት የለን” ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:14 0:00

XS
SM
MD
LG