ፍልይቲ ኣማኻሪት ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ምክልኻል ምጽናት ዓሌት ኣሊስ ወይሪሙ ንደሪቱ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ልዑል ተኽእሎ ሓደጋታት ምጽናት ዓሌትን ተተሓሓዚ ገበናትን ከይህሉ ዝብል ስግኣት ከም ዘለዋ ገሊጻ።
ንሳ ወሲኻ እዚ ድማ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ዓፋርን ኦሮሚያን ኣብ መንጎ ወተሃደራትን ከባቢያዊ ምልሻታትን ግጭት ይቕጽል ኣሎ ዝብል ሓበሬታ ኣብ ትሰምዓሉ ዘላ እዋን ምዃኑ`ውን ሓቢራ`ላ።
“ካብ ኢትዮጵያ ዝመጻና ዘሎ ጸብጻባት ዘሰንብድ`ን ስጉምቲ ዘድልዮን`ዩ፡” ዝበለት ወይሪሙ ንደሪቱ፡ ማሕበረሰብ ዓለም ብፍላይ ቆላሕታ ክህበሉ ይጽውዕ ኣለኹ ኢላ።
ጎንጺ ደው ክብልን ሰላማውያን ሰባት ዒላማ ከይኮኑን እጽውዕ ዝበለት ፍልይቲ ኣማኻሪት ንጉዳይ ምክልኻል ምጽናት ዓሌት፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዘሎ ጎንጺ መዳርግቲ`ቲ ኣብ መንጎ ተቐናቐንቲ ወገናት ዝፍጸም`ዩ ኢላ።
ብዛዕባ`ዚ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝቐረበ ክሲ ሎሚ ምላሽ ዝሃበ ወሃቢ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መለስ ኣለም ብወገኑ፡ እቲ ናይታ ፍልይቲ ኣማኻሪት ዘረባ ሓላፍነት ዝጎደሎ ጠቐነ`ዩ ክብል ነጺግዎ`ሎ። “ እታ በዓልቲ ስልጣን ሕቡራት ሃገራት ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ሓላፍነት ዝጎደሎ፡ ግቡእ መጽናዕቲ ዘይተገብረሉ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ዘየንጸባርቕ`ዩ” ዝበለ መለስ ኣለም፡ እቲ ሪፖርት ነቲ ሕጂ ስርሑ ከብቅዕ ዝተገብረ ዓለምለኸ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ጠቒሱ ዝቐረበ ስለ ዝኾነ`ውን ማይ ዝዓሙኽ ኣይኮነን ኢሉ።
እቲ ወሃቢ ቃል ኢትዮጵያ ኣብቲ ናይ ሎሚ ጋዜጣዊ መግለጺኡ፡ ንኩነታት እስራኤልን መጥቃዕቲ ሓማስን ኣብ ዘልዓለሉ እዋን፡ ኢትዮጵያ ነቲ ግጭት ፍታሕ ትብሎ ክልተ-መንግስታት ምምስራት ዝብል ውዕል`ዩ፡ እዚ ድማ ምስ መርገጺ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝሳነ`ዩ ኢሉ።
ቅጥዒ