ሚንስትራት ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ፣ኤርትራን ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሞቓድሾ ብምርኻብ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተረኽበ ሰላም ንምሕያል ብሓባር ንምስራሕ ምስምምዖም ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖረት ፀብፂቡ።
ናይ ኢትዮጵያ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ፣ናይ ኤርትራ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ናይ ሶማል ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሕመድ ኢሴ ኣዋድን ኣብዚ ናይ ሎሚ ረቡዕ ርክቦም ብፍላይ ሰላም፣ምርግጋእን ብልፅግናን ንምርግጋፅ ፃዕርታት ንምሕያል ሰፊሕ ዘተ ከምዘካየዱ'ቲ ዜና ይሕብር።