ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሊግ ዓረብ፡ ኢራን አብ ጉዳይ ሃገራት ዓረብ ምትእትታው ተካይድ ኣላ ክብል ይከስስ


ሚንስትራት ወጻኢ ሊግ ዓረብ: ኢራን አብ ውሽጣዊ ጉዳያት ሃገራት ዓረብ ምትእትታው ተካይድ ኣላ፡ ኣብቲ ዞባ ዘይምርግጋእ ትፈጥር ኣላ ክብል ከሲሱ`ሎ።

ትማሊ አብ ካይሮ-ግብጺ ዝተአከቡ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ሊግ ዓረብ ፡ መንግስቲ ኢራን ድሕሪ መቕተልቲ ሃይማኖታዊ መራሒ ሽዓት አብ ስዑዲ ዓረብ፡ አብ ልዕሊ አብ ኢራን ዝርከብ ኤምባሲ ስዑዲ ንዝተኻየደ ናይ ተቃውሞ መጥቓዕቲ ክኸላኸሉ ዘይምኻሎም’ውን ይነቕፍ።

ሰበ-ስልጣን ስዑዲ ጠንቂ’ቲ ጎነጻዊ ተቃውሞ ኣናዓቢ ቋንቋ ሰበ-ስልጣን ኢራን’ዩ ብምባል ይኸሱ ብሰንኪ’ዚ ስዑዲ ምስ ኢራን ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና በቲኻ። መሻርክቲ ስዑዲ ዝኾነ ሃገራት ንስዑዲ ብምክታል ዝምድነአን ምስ ኢራን ከቋርጻ ከለዋ ካልኦት ድማ አምባሳደራተን ካብ ኢራን አውጺአን’የን።

ጸሓፊ ዓረብ ሊግን ነቢል ኣል ዓረቢ ብዛዕባ’ቲ ትማሊ ዝተካየደ ኣኬባ’ቲ ሊግ ከምዚ ኢሎም።‘ እዚ ናይ ሎሚ ኣኼባ ንስዑዲ ዘለና ደገፍ ዳግም ንምርግጋጽን ነቲ አብ ልዕሊ ኤምባሲ ስዑዲ አብ ቴህራንን አብ ቆንስል’ታ ሃገር አብ ማሽዳድ ዝተካየደ መጥቃዕቲን ንምኩናን’ዩ።’

ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማሲያዊ ምጉርፋጥ ነቲ ዝተጀመረ መስርሕ ሰላም ሶርያ ከምዘይዕንቕፍ ንምርግጋጽ ፍሉይ ልዑኽ ናብ ኢራን ልዒኹ’ሎ። አብቲ ሓሙሽተ ዓመታት ዘቁጸረ ግጭት ሶርያ ኢራን ቀንዲ መሻርኽቲ ፕረዝደንት ባሽድ አል-አሰድ ምኳና ይፍለጥ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ዓረብ ሊግ፡ ኢራን አብ ጉዳይ ሃገራት ዓረብ ምትእትታው ተካይድ ኣላ ክብል ይከስስ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:41 0:00

XS
SM
MD
LG