ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ሰብኣዊ ሓገዝ ዳግም ክጅምር ትስፉዋት ምዃኖም ወሃብ-ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳር መለስ ኣለም ሎሚ ሓሙስ ኣብ ዝሃቡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣመልኪቶም። ወሃብቲ ረዲኤት ትካላት ኣመሪካን ሕቡራት ሃገራት ሓገዝ ብምቍራጸን፡ ንኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዑ ምህላዉ ዘመልከቱ እቶም ወሃቢ ቃል፡ ብመገዲ መንግስታዊ መሓዉርን ለገስቲ ኣካላትን ኣብቲ ጉዳይ ቅልጡፍ ምጽራይ ተገይሩ ሰብኣዊ ረዲኤት ዝቕጽለሉ መገዲ የናድዩ ከም ዘለዉ ሓቢሮም። ብሰንኪ ጥምየትን ስእነት መግቢን፡ ኣብ ቀረባ እዋናት ልዕሊ 700 ዜጋታት ኣብ ክልል ትግራይ ምሟቶም ተመልኪቱ’ዩ።
ኣምባሳድር መለስ ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሕብረት ብሪክስ ክትጽንበር ኣመልኪታ ምህላዋ’ውን ኣመልኪቶም። እቲ ሕብረት ንኸም በዓል ህንዲ፡ ሩስያ፡ ደቡብ-ኣፍሪቃን ብራዚልን ዝሓቍፍ ከም መተካእታ ምዕራባዊ ደንበ ዝርአ’ዩ።
ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተሰጐጉ ኤርትራውያን መብርሂ ዝተሓተቱ ኣምባሳድር መለስ ኣለም’ውን፡ “እቶም ዝተሰጐጐ ዜጋታት ኣብታ ሃገር ብዘይ ፍቓድ ዝጸንሑን ገሊኣቶም ድማ ካብቲ ክጸንሑሉ ዝተባህሎም መዓስከራት ብዘይ ፍቓድ ዝተንቀሳቐሱን’ዮም፡” ኢሎም።
ቅጥዒ