ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ወጻኢ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ምምራፆም ዝሃብዎ ሪኢቶ


አብይ አሕመድ (ዶ/ር)
አብይ አሕመድ (ዶ/ር)

ክልተ ኣብ ወፃኢ ዝንቀሳቐሱ ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣቦ ወንበር ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ወያናይ ዴሞክራሲያዊ ግንባር /ኢህወዴግ/ ከምኡ እውን ቀፃሊ ቀዳማይ ምንስቴር ንምዃን ይዳለው ምህላዎም ብተስፋ ተቐቢሎምዎ ኣለው።

ኣቦ ወንበር ኣርበኞት ግንቦት ሸውዓተ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋን ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ናይ ኦሮሞ ዴሞክስራሲያዊ ግንባር ዶ/ር ሓሰን ሑሴንን እታ ሃገር ኣብ ኣዚዩ ኣገዳሲ ታሪኻዊ ምዕራፍ ከም እትርከብ ገሊፆም።

ሓላፊ ጉዳያት ወፃኢ ዴሞክራሲያ ግንባር ኦሮሞ ዶ/ር ሓሰን ሑሴን ኣብ ምሉእ ክልል ኦሮምያ ዝተልዓለ ናይ ለውጢ ማዕበል ናብ ጎንደር፣ባህርዳን ኮንሶን ሓዊሱ ኣብ ዝብዙሓት ከባቢታት እታ ሃገር ዝተርኣየ ህዝባዊ ምንቅስቓስ ንኹሎም ዓፈናታት ብምድባድህ ኣብ ኦሄደው ዓብዪ ለውጢ ፈጢሩ ዶ/ር ኣብዪ እውን ውላድ ናይዚ ለውጢ እዮም ኢሎም።’’ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ውሽጢ ኦህዴው ዓብዪ ናይ ለውጢ ብስራት ፈጢሩ።ሓደሽቲ መራሕቲ ክውለዱ ገይሩ።ዶ/ር ኣብዪ እውን ህዝባዊ እምቢተኝነት ኦሮሞ ዝወለዶ ናይ ለውጢ ውላድ ገይረ እየ ዝሪኦ’’ኢሎም።

ኦፒዲኦ ንህዝቡ ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ኣጀንዳ ለውጢ ንምስጓም ናይ ባዕሉ ወኪል ኣቦ ወንበር ኢህወዴግ ክኸውን ምምራፁ ታሪኻዊ እዩ፤ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ኦሮሞ እየ ዝብል ሰብ፣ቋንቁኡ ዝዛረብ፣ባህሉ ዘኽብር ብዛዕባ በደል ህዝቢ ኦሮሞ ዝዛረብን ካብኡ ሰጊሩ እውን ኣብ ኢትዮጵያ መሰራታዊ ዴሞክራሲያዊ ለውጢ ንክመፅእ ድልየት ዘለዎ ሰብ ስልጣን ምዕታሩ ንብዙሓት ሰባት ታሕጓስ ፈጢሩሎም እዩ ንዓይ እውን ዓብዪ ታሕጓስ እዩ ኢሎም።

ኣቦ ወንበር ኣርበኛች ግንቦት ሸውዓት ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ብወገኖም እኹል ምዝርራብ ተግይርሉን ነታ ሃገር ናብ ዝተረጋግአ ኣንፈት ክንወስዳ ኣለና ዝብል ሞገት ተኻይዱ ለውጢ ዝደሊ ሓይሊ ስዒሩ ወፂኡ ዝብል ብዝብል ተስፋ ዝተቐበልኩዎ ኢሎም።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ንዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ምምራፁ ተስፋ ዝሃበ እዩ ኢሎም ቪኦኤ ዘዘራረቦም ነበርቲ ኣዲስ ኣበባ።ሓደስቲ ሰባት ምምራፆም ብዙሕ ለውጢ ከምዘይምፅእ ዝተዛረቡ እውን ኣለው።ፖለቲካዊ ሃዋህው ምስፋሕ ዕርቅን ሓድነት ምስጓም ናይ ሓድሽ ኣቦ ወንበር ኢህወዴግን ሕፁይ ቀዳማይ ምንስቴርን ቀዳማይ ተግባር ክኸውን ኣለዎ ኢሎም እዞም ወሃብቲ ሪኢቶ።

ብድምፂ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:04:10 0:00

XS
SM
MD
LG