ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክኢላታት፡ ምጉዳል ገንዘባዊ ሓገዝ ኣሜሪካ ንትካላት ረድኤት ዘሻቕል’ዩ ይብሉ


ሓደ ንኡስ ኮሚቴ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ጥምየት አስጊኡ ኣብ ዘሎ ኣብዚ ሕጂ እዋን ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ (ዋይት ሃውስ) ዘቕረቦ ውጥን ምንካይ ባጀት ንፕሮግራማት ረድኤት ውጽኢቱ ጥፍአት’ዩ ክብል ዝቕረቦ ጥርዓን ቃለ ምስክርነትን ትማሊ ሰሚዑ።

ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ንኡስ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ጉዳያት ንአፍሪቃ ብዝምልከት አብ ዘካየዶ ከይዲ ምስማዕ ቃለ ምስክርነት፡ ነቲ ከይዲ ዝኸፈቱ ካብ ኒውጀርሲ ኮንግረስማን ክሪስ ስሚዝ እዮም። ንሶም ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ብመሰረት ግምት ሕቡራት ሃገራ ልዕሊ 28 ሚልዮን ሰባት አብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ህጹጽ ረድኤት መግቢ የድልዮም ኣሎ ኢሎም።

ኣብዚ ሓሙሽተ አካላት ቃለ ምስክርነት ዝሃብሉ መጋባእያ ካብ ኢንስትዩት መግቢ ዓለም ላዕለዋይቲ አማኻሪት ፖሊሲ ሓገዝ ወጻኢ ፋስቲን ዋብዋይር ምንካይ ባጀት ረድኤት ዘለዎ ጉድአት ዝበልኦ ገሊጸን።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ክኢላታት፡ ምጉዳል ገንዘባዊ ሓገዝ ኣሜሪካ ንትካላት ረድኤት ዘሳቕል’ዩ ይብሉ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:28 0:00


XS
SM
MD
LG