ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ በብዓመቱ ካብ 30 ክሳብ 40 ሚእታዊ ምግቢ ይባኽን


FAO Reune-se de Emergência Devido aos Aumentos dos Cereais
FAO Reune-se de Emergência Devido aos Aumentos dos Cereais
ሚሊዮናት ኣሜሪካዊያን ምሉእ ዘይጉዱል ምግቢ ብምስንዳእ ዝሓለፈ ሰሙን ንዝተኸበረ ማዕልቲ ምስጋና Thanksgiving ከኽብሩ ከለው ካብቲ ዝሰናዳእ ምግቢ ማዕረ ክንደይ ዝኸውን ከምዝጉሓፍ ግን ብዙሕ ኣየቕልበሉን።ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ በብዓመቱ ካብ 30 ክሳብ 40 ሚእታዊ ዝኸውን ምግቢ ይጉሓፍ።እቲ ኣሃዝ ኣብ መብዛሕቲአን ሃብታም ሃገራት እውን ተመሳሳሊ እዩ።

ናይ ሕቡራት መንግስታት ትካል ምግብን ሕርሻን ኣብ ዓለም በብዓመቱ ልዕሊ ሓደ ቢሊዮን ቶን ምግቢ ከምዝባኽን ይሕብር።ሃብታም ሃገራት ምግቢ ኣብ ምብኻን ዝዓበየ ጊደ እንተሃለወን እውን ኣብ ድኻ ሃገራት ዝጠፍእ እውን ብዙሕ እዩ።እዚ ኹሉ ምግቢ እናጠፍአ ግን ሓደ ቢሊዮን ዝግመት ህዝቢ ብትሑት ኣመጋግባ ይሳቐ።ኣማእቲ ሚሊዮናት ድማ በብዕለቱ እናጠመዩ ይህርሱ።

ዳኒየል ኒየርንበርግ ኣብ ጉዳያት ምግቢ ዝሰርሕ Food Tank ንዝተብሃለ ትካል ቲንክ ታንክ ካብ ዝመስረታ ሓንትን ናይቲ ትካል ፕሬዝዳንትን እየን።ብዛዕባ ናይ ምግቢ ስርዓት ክንዛረብ ከለና እንርስዖ ነገር ኣሎ ምስ በላ ንሰን ‘’ኣብ ዓለም ብዙሓት ሰባት፣ካብ ሸሞንተ ሰባት ሓደ፣ብጥምየት ይጥቅዑ።1.5 ቢልዮን ሰባት ግን ብበዝሒ ኣመጋግባ ዝረጎዱ ሰባት ኣለው’’ኢለን።እቲ ካብ ልክዕ ንላዕሊ ዝጠፍእ ምግቢ ኣብ ከባቢ፣ኣብ ውሕስነት ምግብን ኣብ ካልኦት ብርክት ዝበሉ መዳያትን ሳዕቤን ኣለዎ ኢለን ብምውሳኽ።

ኣብ ምምዕባል ኣብዝርከባ ሃገራት መብዛሕቲኡ ዝባኽን እኽሊ ብምኽንያት ትሑት መሰረት ልምዓት እዩ ይብላ ነይረንበርግ።እኽሊ ኣብ እዋኑ ናብ ዕዳጋ ንኸይበፅሕ ዝኽልክል ሕማቕ መንገዲ፣ብቑዕ መዋህለሊ እኽሊ ዘይምህላው ምጥቃስ ይክኣል።ካብዚ ብተወሳኺ ይብላ ንሰን ካብ ዓቐን ንላዕሊ ምግቢ ብምዕዳግ፣ኣብ መዐሸጊ ምግቢ ንዝፅሓፍ ምሕላፍ መብልዕን መሸጢን ግዜ ዝተጋገየ ኣተረጓጉማ ብምሃብ ብዙሕ መጠን ዘለዎ ምግቢ ቶሎ ከምዝጉሓፍ ነይረበርግ ይገልፃ።

መራሕቲ ዓለምን ኣውፃእቲ ፖሊስን ደሕንነት ምግቢ ንምምሕያሽ ትርጉም ዘለዎም ስጉምትታት ክወስዱ ምስ ፀውዓ በብዓመቱ ይጠፍእ ዘሎ እኽሊ ዘርእዮ ሓቂ እንተሃሊዩ ንዓለም ዝምግብ እኹል እኽሊ ምህላው እዩ ኢለን ነይረንበርግ።

ቅድሚ ሓደ ዓመትን ፈረቓን ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪ-ሙን ኩሉ ሰብ ምግቢ ናይ ምርካብ መሰል ንኽህልዎ ዝጭርሕ Zero Hunger Challenge ዝተብሃለ ወፍሪ ኣዊጆም እዮም።እቲ ወፍሪ ሓሙሽተ ሸቶታት ዝሓዘ እዩ።ዓመት ካብ ዓመት እኹል ምግቢ ምርካብ፣ብጥምየት ዝማስን ትሕቲ ክልተ ዓመት ህፃን ናብ ባዶ ምውራድ፣ዘላቒ ናይ ምግቢ ስርዓት፣ናይ ኣናእሽቱ ሓረስቶት ኣፈራይነትን እቶትን ብምእቲ ፐርሰንት ምዕባይን ዝባኽን ምግቢ ናብ ዜሮ ምውራድን ዝብሉ እዮም።
XS
SM
MD
LG