ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ስሉጥ ዕብየት ከርእያ ትፅቢት ካብዝግበረለን ሃገራት ገሊአን እተን ኣዐሪየን ድኻ ሃገራት ምዃነን ሓደ መፅናዕቲ ሓቢሩ


እቲ ዕብየት ትፅቢት ዘይተገበረሉ እዩ’ውን ተባሂሉ

ቅልጡፍ ዕብየት ዘርእያ ዘለዋ ገሊአን ሃገራት እተን ኣብ ዓለም ኣዐሪየን ብጥምየት ዝጥቅዓ ሃገራት ከምዝኾና ሓደ ሓድሽ ዝወፀ መዐቀኒ ውሕስነት ምግቢ ዓለም ኣፍሊጡ።

እቲ ሓድሽ ዝወፀ መዐቀኒ ውሕስነት ምግቢ ዓለም ምግቢ ናይ ምዕዳግ ዓቕሚ፡ምግቢ ናይ ምርካብ፡ፅርየትን ደሕንነትን ምግቢ 105 ሃገራት ዝዳህሰሰ እዩ።

ዩናይትድ ስቴትስ፡ጀርመንን ፈረንሳይን ሓዊሱ ቢንዱስትሪ ዝማዕበላ ሃገራት ኣብ መዐቀኒ ውሕስነት ምግቢ ዝለዓለ ደረጃ ሒዘን ኣለዋ።ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪካ ድማ ኣብ ዝተሓተ ደረጃ ይርከባ።

ሞዛምቢክ፡ኢትዮጵያ፡ሩዋንዳን ኒጀርን ኣብቶም ዝቕፅሉ ክልተ ዓመታት ኣዝዩ ስሉጥ ቁጠባዊ ዕብየት ካብዘርእያ ሃገራት ገሊአን እየን።

ሊዮ ኣብሩትዚ ኢኮኖሚክ ኢንተለጀንስ ዩኒት ናይ ዝተብሃለ ቁጠባ ዓለም ናይ ዝትንቢ ትካል ዳይረክተር እዮም።እቲ ናይ ትንበያ ትካል ዘ ኢኮኖሚስት ናይ ዝተብሃለ ውሩይ ናይ ብሪታኒያ ኩባንያ ናይ ዜና መፅሄት ሓደ ጨንፈር እዩ።ውፅኢት እቲ መፅናዕቲ ትፅቢት ዘይተገበረሉ ምዃኑ’ውን ይገልፁ ኣብሩትዚ።

ኣብዘን ሃገራት እዚአን ዝመፅእ ዕብየት ንቶም መንግስታት እውን ብናይ ቀረፅ ኣታዊ ኣቢሉ እቶቶም ከምዝውስኸሎም ወሲኾም ይገልፁ።

ሓንቲ ሃገር ህዝባ ንምምጋብ እትዕወተሉ ካልእቲ ሃገር ድማ እትፅገመሉ ምኽንያት ካብ ሃገር ናብ ሃገር ይፈላለ እዩ ይብላ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኬሚካላውን ሕርሻዊን ትካል ዱፖንት ዩናይትድ ስቴትስ።

ናይ USAID ዋና ኣማሓዳሪ ራጂቭ ሻህ እዞም ጉዳያት ፖሊስታት መንግስቲ ኣብ ድኻ ሃገራት ንዝርከቡ ብዙሓት ሓረስቶት ኣብ ምድጋፍ ቀንዲ መሳርሕታት እዮም ይብሉ።

ኣብ ኮርነል ዩኒቨርስቲ ኪኢላ ቁጠባ ዝኾኑ ክሪስ ባረት ግን ረብሓ እቲ ሓድሽ መዐቀኒ ብጥንቃቐ ይርኢዎ።ውሕስነት ምግቢን ንሰባት ከመይ ይፀልዎምን ዝብል ንምዕቃን ዝግበሩ ፈተነታት ሕርኽራኽ ስለዘለዎ ከመይ ከምዝዕቀን ገና ኣይፈለጥናዮን ይብሉ።

እንተኾነ ንዝተገበረ ፃዕሪ ናእድኦም ገሊፆም ኣለው።እዚ ዘርእዮ ሓቂ ኢሎም ኣብ መደወዳእታ ሰባት ንጉዳይ ውሕስነት ምግቢ ዓለም ዓብይ ጠመተ ሂቦም ይከታተልዎ ከምዘለው ዘርኢ እዩ ይብሉ።

XS
SM
MD
LG