ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ጥሮታ ናብ ፍሎሪዳ


ድሕሪ ጥሮታ ናብ ፍሎሪዳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:01 0:00

ድሕሪ ጥሮታ ናብ ፍሎሪዳ

'ዘ-ቪለጅስ' ተባሂላ ኣብ እትጽዋዕ ንእሽቶ ከተማ ማእከላይ ፍሎሪዳ፡ ጥሮታ ድሕሪ ምውጻኦም ዝገዓዙ ዜጋታት ዝተረፋ ዕድመኦም ክርስዑ ዕድል ኣይሃቡን። ማይክል ሮች ከም ኣብነት እንተ ወሲድና፡ ኣብ ናይ ስራሕ ዕድመኡ ብዙሕ ሞያታት ከም ዝፈተነ’ዩ ዝሕብር። ሕጂ’ውን ጥሮታ ምስ ወጽአ፡ ንህይወቱ ከም ብሓድሽ ንምፍጣር ይሰርሕ ኣሎ።

ሮች “ምስዕሳዕ እፈቱ’የ። ኣብዛ ንእሽቶ ከተማና ከኣ ብዙሕ መዘናግዒ ነገራት ኣሎ። ኵሉ ሰብ ኣብ ዝደልዮን ከም ዝደልዮምን ክገብር ይኽእል’ዩ፡” ይብል።

ክፍለ ሃገር ፍሎሪዳ ኣስታት 20-ሚልዮን ህዝቢ ይነብራ። ካብዚኣቶም ሓደ ካብ ሓሙሽተ፡ ልዕሊ 65-ዓመት’ዩ። ጥሮታ ዝወጽኡ፡ ካብ በበይኑ ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካ ናብ ፍሎሪዳ ይውሕዙ። ምዉቕ ኩነታት ኣየር እቲ ቀንዲ መስሕብ’ዩ።

ብቐንዱ ጥሮታ ዝወጽኡ ዝነብሩዋ፡ ዘ-ቪለጅስ እትብሃል ከተማ ከኣ ሓንቲ ካብተን ንሓያሎ ዝስሕባ’ያ።

ደኒስ ሞሊን ካብ ቴክሳስ ዝመጽአ ጥሮተኛ“ኵሉ ንሓደ ጥሮተኛ ዘድልዮ ኣብዛ ከተማ ኣሎ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ እዛ ከተማ ነቶም ጥሮተኛታት ምቹእ ኩነታት ንምፍጣር ዓሊማ’ያ እትሰርሕ፡” ይብል። ኣብኣ ምንባር ንህይወቱ ዝያዳ ትርጕም ከም ዝህቦን ብዛዕባ ነብሱ ዝተሓደሰ ስምዒት ከም ዝነገሰሉን ይነግር። ኣብታ ከተማ ዘሎ መሳለጥያታት ንኸምኣቶም ዝበቅዕን ንዓኣቶም ብፍሉይ ጠሚቱ ዝተሰርሐን ምዃኑ ይዛረብ።

ካብ ፒትስበርግ ዝመጽአ ራይ ሀንሪ፡ መዋእል ህይወቱ ኣብ ስራሓት ህንጻ ምሕላፉ’ዩ ዝዛረብ። ብቐንዱ ድማ ንመሰረት ዝኸውን ጎዳጕዲ ኣብ ምዅዓት’ዩ፡ ናይ ስራሕ ዘመኑ የሕሊፉዎ።

ናብ ዘ-ቪለጅስ ክበጽሕ ኢሉ ምስ መጽአ ግን ኣይተመልሰን። “ክምለስ ወይ ናብ ካልእ ቦታ ክቕየር’ውን ኣይደልን፡” ይብል። ኣብቲ ዕሙር ባር ኰይኑ ነቶም ዝዘናግዑ እናመልከተን ድማ፡ “ተንሲአ ናብዚ እመጽእ። ገለ ኣዕሩኽተይ እረክብ። እስዕስዕ። ክልተ፡ሰለስተ ቢራ ድማ እሰቲ። ድሕሪኡ ናብ ካልእ ጽቡቕ ቦታ ከይደ እበልዕ፡” ይብል።

ሀንሪ፡ ሮችን ሞሊን ውሑዳት ካብቶም ኣስታት 80-ሽሕ ዝበጽሑ ነባሮ ዘ-ቪለጅስ’ዮም። ከም ሓበሬታ ዳህሳስ ኣመሪካ 2020፡ እዛ ንእሽቶ ከተማ እታ ዝዓበየት ጥሮተኛታት ዝነበሩላን ንዓኣቶም ብዝጥዕም ዝተሃንጸትን’ያ።

ኣብዛ ከተማ ኣስታት 50 ዝኸውን መጻወቲ ሜዳታት ጎልፍ፡ ኣማኢት ክለባት፡ መሳርሒ ኢደ-ጥበብ፡ ኣብያተ-ሳዕስዒት፡ ክለባት ንባብን ካልእን ኣሎ።

ላውረን ሪቺ፡ ጥሮተኛ ጋዜጠኛ ነበር’ያ። ነዛ ከተማን ነባሮኣን ክትገልጾም እንከላ ድማ “መዋእሎም ዝሰርሑዎ፡ ሕጂ ድማ እቲ ዝሓልሙዎ ዓይነት ናብራ ይነብሩ ኣለዉ፡” ትብል። ገሊኣቶም ነፍሲ-ወከፍ ሓጋይ በረድ ክጸርጉ ዕድመኦም ዘሕለፉ ስለ ዝዀኑ፡ ሕጂ ኣብዚ ምዉቕ ስፍራ ምምጽኦም ናይ መዋእሎም ደበስ ገይሮም ይርእዩዎ።

እቶም ጥሮተኛታት ዝመርጽዎ ብዙሕ ነገር ኣሎ። ጸጥታ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ረቛሒታት’ዩ።

እታ ከተማ ውሕስቲ ብምዃና፡ ብዕድመ ዝደፍኡ ዜጋታት ዘጋጥሞም ስርቂ፡ ምዝራፍ፡ ገዛ ምስባር ወዘተ። ኣብዛ ዘ-ቪለጅስ እትብሃል ከተማ ዘጋጥም ተርእዮ ኣይኰነን። ኣባይቲ እታ ከተማ ብርሑቕ መከታተሊ ስለ ዝሕሎ፡ ዝዀነ ዘይንቡር ምስ ዘጋጥሞም ኣብ ገዝኦም ዘላ መሕበሪ ብምጥዋቕ ሓገዝ ክሓቱ ይኽእሉ። እቲ ደወል ምስ ዝድወል ድማ ብቅጽበት መጺኦም ደሃይ ዝሓቱ ኣካላት ኣለዉ።

ዘ-ቪለጅስን ካልኦት ከምኡ ዝመስላ ኣብ ፍሎሪዳ ዝርከባ ንኣሽቱ ናይ ጥሮተኛታት ከተማታትን፡ ካልእ ዘምርጸን ምኽንያት፧ ተመሳሳሊ ዝንባለ ዘለዎም ጥሮተኛታት ዘራኽባን ኮማት ዝፈጥራን ብምዃነን’ዩ። ኣብ ተመሳሳሊ ዕድመ ዝርከቡ ከም ምዃኖም ድማ ክቱር ናይ ምትሕብባር መንፈስ ከም ዘርእዩ ነበርቲ ይገልጹ። እቶም ጥሮተኛታት ዝገብሩዎ ንጥፈታትን ዝንባለታቶምን ምስ ካልእ ክሊ ዕድመ ብቐረባ ክገብሩዎ ዕድል የብሎምን። ንኣብነት መንእሰያት ኣብ ዝዓበለለን ናይ ኮለጃት ከተማታት ከምኡ ዝመስል ባይታ ንምርካብ ኣጸጋሚ ምዃኑ እቶም ነባሮ ይሕብሩ።

ኣብ ፍሎሪዳ፡ ኣብ ግዜ ጥሮታ ምንባር፡ ግን ንዅሉ ግዜ ኣይኰነን። ፈለማ ጥሮታ ምስ ወጽኡ ናብታ ክፍለ-ሃገር ዝገዓዙ፡ ዳሕራይ ዕድመ እናደፍኡን ኣላዪ እናደልዩን ምስ ከዱ ግን፡ ንፍሎሪዳ ክገድፉዋ ይረኣዩ።

ጓል 87 ባራባራ ዊስን ወዲ 90 ዓመት በዓል ቤታን ገለ ካብቶም ንፍሎሪዳ ዝገድፉ ዘለዉ’ዮም። ድሕሪ ጥሮታ ኣብታ ክፍለ-ሃገር ን30 ዓመታት ድሕሪ ምቕማጦም፡ ኣብ ጥቃ ደቆም ንምዃንን ሓገዛት ኣብ ዘድልዮም እዋን መቕርብ ንምሕታትን ናብ ክፍለ ሃገር መይን ይምለሱ ኣለዉ።

Recommended

XS
SM
MD
LG