ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ውሕጅ ኣስታት 50 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከባቢታት ወላይታን ባሌን ብሰንኪ ዝወቅዐ ብርቱዕ ዝናብ ዘስዓቦ ውሕጅ ኣስታት ሓምሳ ሰባት ሞይቶም።

ብሕልፊ ኣብ ወላይታ መሬት ተደልሂሙ ኣስታት 41 ሰባት ከምዝቀተለ እቲ ዝረኸብናዮ ዜና ይሕብር። ብዘይካዚ ሸሞንተ ዝኣባላታ ሓንቲ ስድራ-ቤት ኩላቶም በቲ ውሕጅ ተወሲዶምለው።

ተሓባባሪ ኮሚሽነር ፖሊስ ዞባ ወላይታ ኣቶ ኣለማየሁ ማሞ እቲ ዝወቅዐ ዝናብ ከቢድ ጉድአት ከምዘውረደ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮምለው።

እዚ ከምዚሉ ከሎ ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኢትዮጵያ ብሰንኪ ዘጋጠመ ምፍራስ ድልድላትን ምድልሃም መሬትን ዓሰርተታት ኣሽሓት ሰባት ኣብ ጸገም ዝወደቅሉ ኩነታት ትከታተሎ ከምዘላ ኣፍሊጣ።

ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ኣባላት ስድራኦም ንዝሰአኑ ኢትዮጵያዊያን ሓዘነን ዝገለጻ ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ፓትሪሽያ ሃስላክ ንስድራ ግዳያት ምጽንናዕ ተመንየን። ኣሜሪካ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጽንኩር ጊዜ ኣብ ጎኒ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምዘላ እቲ ኤምባሲ ኣብ ዝለኣኾ መግለጺ ሓቢሩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክእል።

ኣብ ኢትዮጵያ ብዘጋጠመ ውሕጅ ኣስታት 50 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:00:58 0:00

XS
SM
MD
LG