ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሶማልን ኬንያን ቁጽሪ ብውሕጅ ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ


ውሕጅ ኣብ ሶማል
ውሕጅ ኣብ ሶማል

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብሰንኪ ይሃርም ዘሎ ከቢድ ዝናብ ኣብ ሶማል 96 ሰባት ሞይቶም ኣለው። ኣብ ኬንያ ድማ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ከምዘሎ ተፈሊጡ'ሎ። ኣብ ሶማል ዝሃረመ ዝናብ ንህይወት ኣስታት 100 ሰባት ከምዘጥፍአ ሃገራዊ ኣገልግሎት ዜና ሶማል ብቕድሚ ትማሊ ቐዳም ምጽብጻቡ ሮይተርስ ይሕብር። እቲ ኣገልግሎት ዜና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ህይወት 96 ሰባት ምጥፍኡ በቲ ናይታ ሃገር ኤጀንሲ ኣተሓሕዛ ሓደጋ ተረጋጊፁ ኣሎ ኢሉ።

ይወቅዕ ዘሎ ከቢድ ዝናብ ኣብ ነበርቲ ዝለዓለ ስግኣት ፈጢሩ ኣሎ። ሶማልን ዝተረፈ ከባቢ ቀርኒ ኣፍሪቃን ኤል-ኒኖን ኢንዲያን ኦሽን ዲፕሎን ብዝተባህሉ ዘይንቡር ኩነታት ኣየር ካብ ጥቅምቲ ኣትሒዙ ዘየቋርፅ ከቢድ ዝናብ ይሃርም ኣሎ።ብመሰረት ሕቡራት ሃገራት እቲ ውሕጅ ኣብ ዓሰርተታት ዓመታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ምዃኑ ክግለፅ ከሎ ን 700,000 ሰባት ኣመዛቢሉ ኣሎ ።

ኣብ ኬንያ ድማ ብዝሒ ብሰንኪ እቲ ዝናብ ዝሞቱ ሰባት ይውስኽ ኣሎ። ክፋላት ኣገደስቲ ትሕተ-ቅርጸን ናይ ገጠር ዓድታትን ብውሕጅን ማይን ኣዕለቕሊቖም ኣለው።

ብሓሙስ ብውሕጅ ዝተመልአ ሩባ ከቋርፁ ከለው ብውሑዱ ሸሞንተ ሰባት ከምዝተወሰዱን ናይ ሰለስተ ሰባት ሬሳ ምርካቡን ከባቢያዊ መራኸቢ ብዙሃን ፀብፂበን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG