ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣዲስ ኣበባ -- ሓደጋ ውሕጅ 4 ሰባት ቀቲሉ

ከተማ ኣዲስ ኣበባ - ፋይል
ከተማ ኣዲስ ኣበባ - ፋይል

ሎሚ፡ 21 ሚያዝያ፣ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ክፍለ ከተማ ቦሌ ብዝወቐዐ ሓያል ዝናብ ህይወት 4 ሰባት ምሕላፉ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ። ቤት ፅሕፈት ኣካያዲ ስራሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ እቲ ሎሚ ንግሆ ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ፣ ኣብ ክፍለ ከተማ ቦሌ፣ ወረዳ 11፣ ፍሉይ ሽሙ ወረገኑ ኣብ ዝበሃል ከባቢ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብ ኣዲስ አበባ፣ ንማስተር ፕላን ዘይሓለዉ ኣብ ወሰን ሩባታት ዝህነፁ ኣባይቲ፣ ንሓደጋ ውሕጅ ዝተቓልዑ ስለዝኾኑ፣ ነዚኦም ንምዕራይ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ሓቢሩ። እቲ ሕብረተሰብ ልዑል ጥንቃቐ ክገብር ድማ ምዒዱ።

This item is part of

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG