ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ልዕሊ 100 ሰባት ሞሟቶም ትካል ህጻናት ኣድሕን ገሊጹ


ኣብ ኬንያ ወደብ ሞምባሳ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ
ኣብ ኬንያ ወደብ ሞምባሳ ዘጋጠመ ምዕልቕላቕ ውሕጅ

ኣብ ኬንያ ብዝሃረመ ከቢድ ዝናብ ውሕጅን ምንሽርታት መሬትን ከምኡ'ውን ኣብ ወደብ ሞምባሳ ብሰንኪ ዝናብ ዘጋጠመ ምቁራፅ ኣገልግሎት ምርጋፍን ምፅዓንን ኣቑሑት ኣብ መላእ እታ ሃገር ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተተንከፉ ተገሊጹ።

ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረኣ ዘሎ 'ኤል-ኒኖ' ዝጽዋዕ ለውጢ ኩነታት ኣየር ተኣሳሲሩ ብዝሃረመ ሓያል ዝናብ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኬንያ ብውሑዱ 46 ሰባት ምሟቶም ተሓቢሩ'ሎ።

ምኽትል ፕረዚደንት ሪጋቲ ጋቻጉዋ ኣብ ኬንያ እንተወሓደ 80,000 ስድራ በቲ ኩነታት ተተንኪፎም ኣለው ኢሎም። እቲ ኣሃዝ በብመዓልቱ ይውስኽ ምህላው'ውን ወሲኾም ገሊፆም።

መንግስቲ "ህዝብና ንምድሓን’’ ብዝብል ቴማ ብሄሊኮፕተራትን ካልኦት ህፁፅ ኣገልግሎታትን ብምጥቃም ረድኤት ብምቕራብን ዝተቐርቀሩ ስድራቤታት ብምውፃእን ግብረ መልሲ ይህብ ኣሎ ኢሎም።

ህፃናት ኣድሕን ዝተባህለ ናይ ብሪጣንያ ትካል ግብረሰናይ ብወገኑ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዝረኣ ዘሎ ምዕልቕላቕ ውሑጅ ኣብ ኬንያ፣ ሶማልን ኢትዮጵያን 16 ቆልዑ ሓዊሱ ልዕሊ100 ሰባት ከም ዝሞቱን ልዕሊ 700,000 ካብ መንበሪኦም ከምዝተመዛበሉን ኣፍሊጡ'ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG