ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብሩንዲ ብሰንኪ ውሕጂ ዘጋጠማ ዕንወት ዓለምለኸ ሓገዝ ሓቲታ


ፋይል
ፋይል

ብሩንዲ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ዘጋጠመ ዕንወት ንምፅዋር ዓለምለኸ ሓገዝ ሓቲታ ኣላ።

ኣብ መወዳእታ ሰሙን መንግስቲ ብሩንዲ ብውሕጅ ዝተመዛበሉ 2000 ስድራ ቤታት ብድልየቶም ናብ መዕቖቢን ብረኽቲ ከባቢታት ምግዓዝ ጀሚሩ ኣሎ። እቲ ምግዓዝ ግን ሕፅረት ቀረባት ዝተመልኦ ምዃኑ ተፈሊጡ ኣሎ። ቀላይ ታንጋኒካ ማይ መሊኡ ንቡጂምቡራ ሓዊሱ ንብርክት ዝበሉ ክፋላት እታ ሃገር ብምዕልቕላቕ ስራሕኣሰናኺሉ ኣሎ።

ካብ መስከረም ክሳብ 7 ሚያዚያ ኣብ ዘሎ እዋን 203,944 ሰባት በቲ ኩነታት ጉድ ኣት ዝበጽሖም ክኾኑ ከለው ኮይኖም 19,250 ኣባይትን 209 መምሃሪ ክፍልታት ዓንዮም ኣለው።

ብመሰረት ሓበሬታ ባንኪ ዓለም ብሩንዲ ሓንቲ ካብተንትሑት ኣታዊ ዘለወን ሃገራት ዓለም ኮይና ካብ 13- ሚሊዮን ህዝባ 80 ሚእታዊት ብሕርሻ ዝመሓደሩ እዮም ።

ክኢላታት ኩነታት ኣየር ኣብ ብሩንዲን ካልኦት ከባቢታት እቲ ዞባን ዝጋጠመ ውሑጅ ኣካል ምስ ኤል ኒኞ ዝተኣሳሰረ ተርእዮ እዩ ይብሉ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG