ድሬዳዋ —
ኣብ ጎቦታት ባሌ ብዝወቕዐ ከቢድ ዝናብ ልዕሊ ዓቐኑ ዝመልአ ሩባ ሸበሌ ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ውሕጅ ኣብ ክልተ ወረዳታት ክልል ሶማል ኣብ ዘራእቲ ጉድኣት ምብጽሑ ተሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ነበርቲ ካብ ወሰና ወሰን እቲ ሩባ ብምልዓል ናብ በረኽቲ ቦታታት ንምስፋር ከም ዝተሰርሐ ዝገለፀ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ እቲ ውሕጅ ኣብ ልዕሊ ሰብ፣ እንስሳትን ትሕተ-ቅርጻን ዘውረዶ ጉድኣት የለን ክብል ኣፍሊጡ።
እቲ ውሑጅ ን 70% ወረዳ ሙስታሒልን 30% ወረዳ ቆላፎን ከምዘዕለቕለቐ ዝገለፁ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን ኣቶ ዓብዱልቃዲር ካብ ወረዳ ሙስታሒል ጥራሕ ልዕሊ 3,000 ስድራ ጉድኣት ከምዝበጽሖም ገሊፆም።
ኣብዚ ሕዚናዮ ዘለና ወርሒ ከቢድ ዝናብ ክወቅዕ ከምዝኽእል ዝተንበየ ሃገራዊ ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኣብ ወሰና ወሰን እቲ ሩባ ዝርከቡ ነበርቲ ጥንቃቐ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ።
ቅጥዒ