ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ከተማ ጂግጅጋ ብዘጋጠመ ውሕጅ 23 ሰባት ሞይቶም


ፋይል- ከተማ ጂግጂጋ
ፋይል- ከተማ ጂግጂጋ

ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ለይቲ ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ብዘጋጠመ ውሕጅ 23 ሰባት ኣብ ክልል ዓፋር ድማ በረድ ዝተሓወሶ ዝናብ ወቒዑ ሓሙሽተ ሰባት ብድምር 28 ሰባት ምማቶም፣ካልኦት 84 ሰባት ድማ ብከቢድ ምቑሳሎም ንመራኸቢ ብዙሃን መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝጠቐሰ ኣሶሼትድ ፕረስ ጸብጺቡ።

ሓንቲ ኣደ ምስ ሽዱሽተ ደቃን ሓዋን ብድምር ሸሞንተ ኣባላት ቤተ ሰብ ምሟቶም፣ብዝሒ ዝሞቱ ድማ ካብ 40 ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ዘዘራረቦም ነበርቲ ጅግጅጋ ሓደ ገሊጾም።

ኣብ ከተማ ጅግጅጋ ለይቲ ሰዓት ሓሙሽ ጋሻ ውሕጁ መጺኡ ን23 ሰባት ቀቲሉ፣ን84 ሰባት ብከቢድ ኣቑሲሉን ኣብ ብዙሓት ኣባይቲ ድማ ጉድኣት ኣብጺሑን።

ሽመን ክግለጸለን ዘይደለያ ነባሪት ጅግጅጋ ነቲ ኩነታት ከምዚ ክብላ ይገልጻ።

‘እቲ ውሕጅ እናሓነነ እዩ መጺኡ።ልክዕ ናይ ኣውሮፕላን ድምጺ እዩ ዝመስል።ንሰባት ምውሳድ ምስ ጀመረ ኣብታ ከተማ ኣውያት ብኣውያት ኮይኑ።ጸልማት እዩ ድማ ነይሩ፣ናይ መንገዲ መብራህቲ ኣይነበረን።’

ፖሊስ ብዛዕባ ዝጋጠመ ሓደጋ ምዝጋብ ስለዝቐጸለ ብዝሒ ናይ ዝሞቱ ካብቲ ዝተጠቕሰ ንላዕሊ ክኸውን ከምዝኽእል ካልእ ነባሪ ይገልጹ።

ብዝተኣሳሰረ ዜና ብቕድሚ ትማሊ ሰንበት ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ ወረዳታት መጋሌን ዳሉልን ሓያል ንፋስ ዝተሓወሶ በረድ ወቒዑ ሓሙሽተ ሰባት ከምዝሞቱ ኣሶሼትድ ፕረስ ጸብጺቡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ከተማ ጂግጅጋ ብዘጋጠመ ውሕጅ 23 ሰባት ሞይቶም
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:38 0:00

XS
SM
MD
LG