ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናይ ማሌዢያ ነፋሪት ካብ ሩሲያ ብዝመፀ ሚሳይል ተወቒዓ ምውዳቓ መርመርቲ ኣረጋጊፆም


ዓለምለኸ መርመርቲ ሓምለ 2014 ኣ/ፈ ኣብ ምብራቓዊ ዩክሬይን ዝወደቐት ናይ መጎዓዚያ ነፋሪት ካብ ሩሲያ ብዝመፀ ካብ ምድሪ ናብ ሰማይ ብዝውንጨፍ ሚሳይል ተወቒዓ እያ ክብሉ ኣረጋጊፆም።

እቲ ሎማዕንቲ ረቡዕ ዝወፀ ምርመራ ቅድም ክብል ናይ ዶች ቦርድ ደሕንነት ቁፅሪ በረራ MH17 ናይ ማሌዥያ ነፋሪት ብሩሲያ ሰራሕ ቡክ ሚሳያል ተወቒዓ እያ ወዲቓ ንዝብል ሪፖርት ዘረጋግፅ እዩ።

ኣብ ናይ ዶች ሃገራዊ ፖሊስ ዝሰርሑ ዊልበርት ፓውሊሰን ብሩሲያ ዝሕገዙ ናይ ዩክሬይን ዓመፅቲ እቲ ሚሳይል ፐርቮማይስ ናብ ዝተብሃለ ከባቢ ምብራቓዊ ዩክሬይን ንኽጉዓዝ ንሩሲያ ከምዝሓተቱ መርትዖ ደምዲሙ’ሎ ኢሎም።

ሩሲያ ግን ነቲ ብዶች ዝምራሕ ምርመራ ነፂጋቶ’ላ።

ኣብታ ነፋሪት ተፃዒኖም ዝነበሩ ኩሎም 298 ሰባት ሃሊቆም እዮም።እታ ነፋሪት ካብ ኣምስተርዳም ናብ ኩዋላ ሉምፑር ማሌዢያ እያ ትጉዓዝ ኣብዝነበረትሉ እዋን እያ ተወቒዓ ኣብ ሰማይ ዝተበታተነት።

XS
SM
MD
LG